Home Archivio
2011-03-17 14:13:49
ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳታ ቤት ምክሪ መግለጺ
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2011 ዓ.ም. ወርሒ መስከረም ኣብ ጀርመን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ቅድም ክብል ከምእተገልጸ እንክዝከር፣ ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳታ ቤት ምኽሪ
ንመደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦናን ኣብቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ መደባት ዝካየዱ ርክባትን ብጠቕላላ ብዛዕባ እቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዝገልጽ ጽሑፍን ናይዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣርማን መርሕ ቃልን ኣብ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ንውህደት ኣሚቱ ዝግበር ጻዕሪ ዘለዎ ዓቢይ ደገፍን ብዕምቆት ዘረድእ ኣብ ጀርመን ከተማ ፓደርቦርን ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበርን ናይ ፍሪቡርጎ ሊቅ ጳጳስን ብፁዕ ኣቡነ ሮበርት ዞሊሽን ናይ ኤርፉርት ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጆኣኪም ዋንከን ናይ በርሊን ርእሰ ሰበኻ ኣመሓዳሪ ብፁዕ ኣቡነ ማቲያስ ሄይንሪኽን ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ኣባ ሃንስ ላንገንዶርፈር ብሓባር ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሓበሩ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።
እዚ ከምዚ ኢሉ ኣንከሎ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ትሪቨነቶ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብቲ ከባቢ ኣብ ኣኵለያን ቨነዚያን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ካብ ዕለት 7 ክሳብ ዕለት 8 ግንቦት 2011 ዓ.ም. ንዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ርእሰ ጉዳይ ዝገበረ ኣብ ቨነዚያ ከተማ ዘላሪኖ ናይ ትሪቨነቶ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ቅድሚ ትማሊ ኣኼባ ከምዘካየደ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ብፁዓን ጳጳሳት ትሪቨነቶ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ቀንዲ መደባቱን ዘተኵረሎም ጉዳያትን ብፍላይ ድማ ነቲ ኣብ 2012 ዓ.ም. ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ኣኵለያ ንዝካየድ ካልኣይ ዓውደ መጽናዕቲ ሥነ ቤተ ክርስትያን ደገፍን መምርሒ ዝህብን ናቲ ዓወደ መጽናዕቲ ዘሰንይን ምዃኑ ናይ ትሪቨነቶ ብፁዓን ጳጳሳት ቅድሚ ትማሊ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ሓቢሮም፣ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ዓቢይ ጸጋ ኢዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
All the contents on this site are copyrighted ©.