2011-03-17 14:09:36

ናይ ቅዱሳት ምስክርነት ነጸብራቕ ኅላዌ ክርስቶስ ኢዩ


ኣብ ቫቲካን ቅዱስ ኣቦናን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ላዕለዎት ኣካላት ቅድስቲ መንበር ብፁዓን ካርዲናላታን ብፁዓን ጳጳሳትን ንበዓለ ፋሲካ መሰናደዊ ካብ ዕለት 13 መጋቢት 2011 ዓ.ም. ጀሚሮም ክሳብ ቀዳም ዕለት 19 መጋቢት 2011 ዓ.ም. ዝፍጽምዎ መንፈሳዊ ሱባኤ ይቕጽል ከምዘሎ እንክንገር፣ ናይዚ መንፈሳዊ ሱባኤ ሰባኺ ናይ ቀርመሎስ RealAudioMP3 ገዳማውያን ማኅበር ኣባል ናይ ሥነ ቅዱሳት ቲዮሎጊያ ሊቅ ኣብ ጳጳሳዊ ተርሳኒዩም መንበረ ጥበብ መምህር ኣባ ፍራንስዋ ማሪየ ለዘል ከምዝኾኑ ቅድም ክብል ተገሊጹ ከምነበረ እንክዝከር፣ ኣነሆ ትማሊ ኣብ መበል ራብዓይ መዓልቲ ሱባኤ፣ ኣብ ቅድስቲ ተረዛ ዘ ሊሰ ታሪኽ ቅዱስና ናይ ቤተ ክስትያን ሊቅ ቅዱስ ኣንሰልም በዓል ዳኦስታ ዘተኮረ ከምዝነበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ናይ ቅድስቲ ተረዛ ዘ ሊሰ ናይ እግዚኣብሔር ወሰን ዘይብሉ ምሕረቱን መሓሪ ፍቕሩን ምንጪ ናይቲ ደረት ሰገር ተስፋ ከምዝኾነ ዘስተማቐረትን ናይ ተኣማንነትን ፍቕርን መርሕ ገይሩ ዝተጓዕዘ ቅድስና ምስክርነት ከምዝኾነን እዚ ድማ ኵሉ ንቕድስና ከምእተጸውዔን፣ ክሉ እዚ ጸዋዕታኡ ንምንባር ውሑስ ዝግበሮ መገዲ ዝሓበረ ሕይወት ቅዱስና ምዃኑ ዝተተንተነሉ ዕለት ከምዝነበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።

ከምቲ ኣብታ ር.ሊ.ጳ. ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 25 መጋቢት 1987 ቅድስቲ ድንግል ማርያን ኣብ ጉዕዞን ሕይወትን ቤተ ክርስትያን እተነጽር እመ መድሃኔ ዓለም እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቶም፣ ቅድስት ተረዛ ዘ ሊሰ ምስ ማርያም ኣብ እምነት ሓቢራ ኣብ ሕማማት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሳተፈት ምዃና ኣባ ፍራንስዋ ማሪየ ለዘል ገሊጾም፣ ኣብ ናይ ቤተ ክርስትያን ሊቅ ቅዱስ ኣንሰልም በዓል ዳኦስታ ፍልጠት እምነት ናይ ሥነ መስቀል ቲዮሎጊያ ኢዩ ኣብ ዝብል መንፈሳዊ ሓሳብ ኣቶኲይሮም ብዘቕረብዎ ስብከት ራብዓይ መዓልቲ መደብ ሱባኤ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.