2011-03-17 14:16:31

ማኅበራዊ ፍትሕን ሰላምን ንምርግጋጽ


ናይ ሳን ሳልቫዶር ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኦስካር ሮመሮ ዕለት 24 ሚያዝያ 1980 ዓ.ም. መሥዋዕተ ቅዳሴ እናዕረጉ እንከለዉ ብኢድ ዕጡቓት ኃይሊ ዝተቐሉ፣ ማኅበራዊ ፍትሕን ሰላምን ንኽረጋገጽን RealAudioMP3 ኣብዚ መዳይ ከይተሓለሉ ኣብ ጎድኒ ድኻታትን ሕዙናትን ዝተነጸሉን ናይ ዓመጽን ኣድልዎን ኣደዳ ንዝኾኑ ክፍሊ ኅብረተሰብ ጎድኒ ኮይኖም ሓዋርያዊ ኣገልግልቶም ዝፈጸሙን ኣብ ኩሉ መዳይ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ውሑስ ክኸውን ከይተሓለሉ ብብርሃን ወንጌልን ቅዱሳት ምሥጢራት ሥልጣናዊ ትምህርቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን መሠረት ናይ ኵሉ ኅሊና ኣብ ምንቕቓሕ ስለ ዝተጸምዱ እዚ ቅዱስ ኣገልግሎቶም ነቶም ኣብ ናይ ዓመጽን ምዝመዛን ተግባራት ዝተዋፈሩ ጉጅለታት ናይ ሕሊና ሕቶ ስለ ዝኾኖም በዚ ምኽንያት ዝተቐሉ ናይ ማኅበራዊ ፍትሕን ሰላምን ምልክት ተባሂሎም ዝግለጹ ዝኸፈልዎ መሥዋእትነት ንምዝካር ካብ ሎሚ ዕለት 17 መጋቢት 2011 ዓ.ም. ክሳብ ዕለት 2 ሚያዝያ 2011 ዓ.ም. ኮምቴ ብፁዕ ኣቡነ ኦስካር ሮመሮ ምስ ሰላመ ክርስቶስ ማኅበርን ደገፍን ምሕዝነትን ምስ ላቲን ኣመሪካ ምስ ዝተሰምየ ማኅበር ብምትሕብባር ዘዳለዎ ኣብ ሕይወት ታሪኽን መልእኽትታትን ስብከታትን ብፅዕ ኣቡነ ሮመሮ ዘማእከለ ዓውደ መጽናዕታትን ናይ መንፈሳዊ መዝሙር ኮንሰርትን ናይ ስእሊ መግለጽታትን ዝቐረበሉ መደብ ከምእተጀመረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት እንክሕበር፣ ብፁዕ ኣቡነ ሮመሮ ዝተቐተሉላ ዕለት 24፣ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም፣ መዓልቲ ዓለም ሓቆፍ “ሓቂ ናይ ኩሉ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን” ዝነቓቕሓሉ ዕለት ኮይኑ ክብዕል ዝሓለፈ ዓመት ዝሃቦ ውሳኔ እነሆ ነዛ ብፁዕ ኣቡነ ሮመሮ ዝዝከሩላ ዕለት ፍልይትን ዓባይን ዝግበራ ምዃኑ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኮምቴ ብፁዕ ኣቡነ ሮመሮ ዘተሓላለፎ መግለጺ ጠቂሱ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.