2011-03-15 13:36:08

ኮንጎ፣ ብፁዓን ጳጳሳት ብዛዕባ ቅዋም ሃገር


ናይ ኮንጎ ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ መንግሥቲ ቅዋም ሃገር ንምሕዳስ ብዝብል ውሳኔ መሠረት ተሓዲሱ ዝጸደቐ ቅዋም ሃገር ርቡፅን ናይ ታሕዋኽን ከምዝኾነ ናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምክሪ ኣነጺሮም ነዚ RealAudioMP3 ድማ ብሥሩዕ ኣብነታት ብምትንታን፣ እቲ ዕለት 22 ጥሪ 2011 ዓ.ም. ርእሰ ብሔር ጆሰፍ ካቢላ ቅዋም ሃገር ንኽሕደስ ዝጠልብ ሕጊ ብኽታሞም ኣጽዲቖም እንከብቕዑ ዝተፈጸመ ተግባር ኅዳሴ ሕገ መንግሥቲ ምዃኑ ድማ ጠቒሶም፣ ናይ ኮንጎ ሬፓብሊክ ርእሰ ብሔር ኣብ ክልተ ዙር ዝካየድ ቆጸራ ድምጺ ሕዝቢ ክሕረዩ ዝብል መምርሒ ብሓደ ዙር ቆጸራ ድምጺ ሕዝቢ ክሕረዩ ብዝብል አመለኻኽታ ብምትካእ እዚ ዝጸደቐ ሓድሽ ሕጊ ኣብ’ቲ ዕለት 27 ሕዳር 2011 ዓ.ም. ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ሕዝባዊ ምርጫ ኣብ ኣገልግሎት ዝውዕል ምዃኑን እዚ ውሳኔ ኣብ ናይ ኮንጎ ናይ ሕዝባውን ናይ ፖለቲካ መድረኻታ ብዙሕ የካትዕ ከምዘሎ እውን ብፁዓን ጳጳሳት ጠቒሶም፣ እዚ መንግሥቲ ዝወሰዶ ውሳኔ ኣከራኻሪ ኢዩ ቢሎም፣ ኣብ ኮንጎ ዝካየዱ ምርጫታት ናጻን ዴሞክራሲያዊ ሥርዓት ዝኽተል ኽኸውን ድማ ጻዋዒት ብምቕራብ እቲ መንግሥቲ ዝፈጸሞ ተግባር ኅዳሴ ቅዋም ሃገር ኣብ ኮንጎ ናይ ሁከትን ዓመጽን መንቀሊ ከይከውን ብፁዓን ጳጳሳት ዘለዎም ሥግኣት ከምዘግሃዱ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.