2011-03-15 13:33:09

ሳልሳይ ዓመት ዝኽሪ ኪያራ ሉቢክ


ናይቲ ፎኮላሪኒ ማለት ኣፍቅሮተ ዘቤት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ካቶሊክ ምንቅስቓስ መሥራቲት ኪያራ ሉቢክ ሳልሳይ ዓመት ዝኽረ ዕረፍቲ ብዝተፈላለዩ ናይ ጸሎትን ኣስተንትኖን ዓወደ መጽናዕትን ተሰንዩ ከምእተፈጸመ እንክንገር፣ ትማሊ ሮማ ኣብ ባዚሊካ ቅዱሳት ሓዋርያት ናይ ሥድራ ቤት ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር RealAudioMP3 ብፁዕ ካርዲናል ኤኒዮ አንቶኒዮሊ ብኽልተ ብፁዓን ጳጳሳትን 20 ካህናትን ተሰንዮም ዝመርሕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከምዝዓረገ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብቲ ዝቐረበ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ሮማ ናይ ፎኮላሪኒ ካቶሊክ ምንቅስቓስ ኣባላት ከምእተሳተፉ እውን እንክንገር፣ ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶነሊ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ ናይ ኣፍቅሮተ ዘ ቤተ ካቶሊክ ምንቅስቓስ መንፈሳዊ ዕላማን ኣገልግሎትን እዚ ድማ እቲ ቃል ኣምላኽ ኣብ ዕለታዊ ናብራ ምንባርን ዕለት ዕለት ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምፍጻም ምትጋህ ዝብል ከምዝኾነ ዘኪሮም እዚ እቲ ታሪኽን ባህልን ትውፊትን ውሳኔ ጉባኤታት እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ዘሥምረሉ ኣነ ቅዱስ ኢየ እሞ ንስኻቱም ከማይ ቅዱሳት ኩኑ ዝብል ኩሉ ንቕድስና ዝተጸውዔን ምዃኑ ብምዝኽኻር ኣብ ምንባሩ ምትጋህ ዝብል ከምዝኾነ ኣረዲኦም፣ ሓባራዊ ጸዋዕታ ቅድስና ዘድምዕ ኢዩ ኢሎም።

ኩሉ ሓላፊ ኢዩ፣ ብፍላይ ድማ እቲ ንመሠረታውያን ናይ ኅላዌ ሕቶታት መልሲ ተባሂሎም ዝተሰብኩ ናይ ፖለቲካ ርእዮት በኒኖም ከምዝተረፉን፣ እቲ እንነብረሉ ዓለም ዘሕልፎን ዝነብሮን ዘሎ ኩለ መዳያዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ኩለንተናና ናብ ክርስቶስ ምምራሕ ይግባእ፣ ብጀካ ንሱ ካልእ እውነተይና መልሲ የሎን ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.