2011-03-12 15:04:40

ኢየሱስ ናዝራዊ ካልኣይ ክፍሊ ተኻታታሊት መጽሓፍ ቅዱስ ኣቦና


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይታ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ 2007 ዓ.ም. ዝደረስዋ ብዛዕባ ታሪኽ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን መልእኽቱን መንነቱን እተነጽር “ኢየሱስ ናዝራዊ” ዘርእስታ ናይታ ቀዳመይቲ መጽሓፎም ተኸታታሊ ካልአይ ክፍሊ መጽሓፍ ብጣልያንኛ ቋንቋ ብቤት ማኅተም ቫቲካን ተሓቲማ ሓሙስ RealAudioMP3 ዕለት 10 መጋቢት 2011 ዓ.ም. ኣብ ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ብፁዕ ካዲናል ማርክ ኦውለትን ናይ ሥነ ቋንቋን ሥነ ጽሑፍን ሊቅ ጋዜጠይናን ደራስን ፕሮፈሶር ክላውዲዮ ማግሪስን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም ሓላፊ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርድን ካልኦት ዓበይቲ ምሁራትብ ብዙሓት ጋዜጠይናታት ኣብ ዝተረኽብሉ ብዝሃብዎ መግለጺ ንንባብ ከምዝበቕዔት ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም መግለጺ የመልክት።

እታ ኢየሱስ ናዝራዊ ቀዳመይቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቦና ጥምቀት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማየ ዮርዳኖስን ክሳብ ኣብ ደብረ ታቦር ትርኢት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምልዋጥ መንነት ክርስቶስ ዝገልጽን ትንተናን መረዳእታን ብምቕራብ ዘቋረጽዋ፣ ኣብዛ ካልአይቲ ክፋል ኢየሱስ ናዝራዊ መጽሓፎም ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብምቕጻል ኣብ ሕማማትን ሞትን ትንሳኤን ዕርገት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘተኮረ ትንተና ብምቕራብ፣ ሰብኣውነትን መለኮታውነትን ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምትንታን በዚ መሠረት ድማ ሓቂ ንምግንዛብን ንምርዳእን 380 ገጽ ትሽዓተ ምዕራፍን መእተውን ድኅረ ጽሑፍን ታሪኽ ሕይወትን ዝሓዘለት ዘቕረብዋ መጽሓፍ ከምዝኾነትን ተሓቢሩ።

እታ ካልአይቲ ተኸታታሊት “ኢየሱስ ናዝራዊ” መጽሓፍ ቅዱስ ኣቦና ብሸውዓተ ቋንቋታት ተሓቲማ ኣብ ቤተ መሸጣ መጻሕፍቲ ከምእተዘርግሔትን ድሮ ብዝሒ ሓደ ሚሊዮንን ክልተ ሚእቲ ከምእተሸጠን ኣብዚ ወርሒ መወዳእታ ብክሮኣዚያ ቋንቋ እውን ከምእትሕተምን ብምቕጻል ብካልኦት 13 ቋንቋታት ተሓቲማ ክትቐርብ ምዃና ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም መግለጺ የመልክት።

እዛ ካልአይቲ ተኸታታሊት “ኢየሱስ ናዝራዊ” መጽሓፍ ቅዱስ ኣቦና ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ብፁዕ ካርዲናል ማርክ ኦውለት ኢየሱስ ናዝራዊ ዘርእስተን ተኽታታልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝግበር ቲዮሎግያዊ ሥነ ገለጻን ትንተናን ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፍትን ነንበብቲ ናብ’ቲ ሓቀይና መንነት ኢየሱስ ክርስቶስ ዘቕርብ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም፣ ስለዚህ ተራ መጽሓፍ ዘይኮነስ ስምዒትን ኣእምሮን ዝምስጥ ምስክርነትን ማራኽን ናጻ ዝውጽእን ኢዩ ከምዝበሉ መግለጺ ቅድስቲ መንበር ዜና ፍክሊ ማኅተም ሓቢሩ።

ብፁዕ ካርዲናል ኦውለት ቀጺሎም፣ እታ መጽሓፍ ኣብ መንጎ ክርስትናን ሃይማኖት ኣይሁድን ዘሎ ምትእስሳር እተሕይል ከምዝኾነት ድማ ሓቢሮም፣ ንዝካየድ ናይ ሓባር ዘተ እተጉልሕን ነቲ ኅልው ኩነታት ናይ ሓባር ዘተ ብሓድሽ መንፈስ እተተባብዕ ምዃና ኣረዲኦም። ዝተፈላለያ ጥንታውያን ሃይማኖታት ንሓድሽ ወለዶ ናይ ፍጥረት ሰብ ጥበበ ሃይማኖት ነኸተሓላልፋ ኣብ ዝገብርኦ ከይዲ ምዝሕታልን ምድካምን ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን እቲ ኣርኣያዊ ኣብነት ንምርካብ ብዙሕ ኣብ ዝጽዕር ዘሎ እዋናዊ ዓለም ኣብ ናይ ክርስትና ቅዉም ነገር ዝተማእከል ዘተ ክረጋገጽ ዝዕድም መጽሓፍ ከምዝኾነ ከምዝገለጹ መግለጺ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተምን ኣፍሊጡ።

ዝለዚ ኣብ ቤተ ክርስትያን ውሽጥን ምስ ካልኦት ኣቢያተ ክርስትያናትን ምስ ሃይማኖት ኣይሁድን ካልኦት ሃይማኖታትን ካብቲ ሰላምን ውኅደት ዘርኢ ሰብ ዘተባብዕ ካብ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕይወት ዝምንጭ ትርጉም እግዚኣብሄርን ሰብን ዘማእከለ ዘተ ክህሉ ንዝግበር ጻዕሪ ኣዚዩ ዝድግፍ መጽሓፍን ንመደባት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ደገፍን ኣውን ኢዩ ቢሎም ቀጺሎም ቅዱስ መጽሓፍ ከነፍቅርን ከነንብብ ዝድግፍን ካህናት ንስብከተ ወንጌል ዝድግፎምን ንኣስተምህሮታት ንባበ መለኮት ዝድግፍ መጽሓፍ ምዃኑ ከምዘረድኡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ማኅተም መግለጺ ሓቢሩ።

ምእመናን ቅዱስ ኣቦና በቲ ትሕትና ዝዓሰሎ ናይ ተልእኾ ኣገልግሎቶም መሠረት ንዓናን ንቤተ ክርስትያንን ብዝዓደልዎ መጽሓፍ ከመስግንዎምን ቅዱስ ኣቦና ኢድ ጎይታና ኢየሱስ ናብቲ ዘናውጸና ማዕበል ክስሕብዎን በታ የማነይቲ ኢዱ ድማ ካብቲ ሕምብርቲ ማዕበል ክምንዝዓና ኢዱ ሒዞም ዝጓዓዙ ምዃኖም እተነጽር መጽሓፍ ኢያ ኢሎም።

ፕሮፈሶር ክላውዲ ማግሪስ ብወገኖም ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ተተባብዕን ዘተ ዝግበረሉ ሓሳብ በስገዳዳድ ዝቐርብ ከምዘይኮነ እንተነጽርን ንዘተ እተማዕድው ምስ ኣማንያንን ኢኣማንያንን ድላይ ዘተ እተተባብዕ መጽሓፍ ኢያ ቢሎም፣ ብዛዕባ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝግበር መጽናዕቲ ሕሉፍ ሥነ መጎታውነት ደረት ከምዘለዎን እተነጽርን ቅዱስነቶም ነቲ ሊቅነቶም ተጠቂሞም ዝጸሓፍዎ መጽሓፍ እኳ እተኾነ ቅልል ዝበለ ሜላ ተጠቂሞምን ምስ ካልኦት ናይ ሥነ ትንተና ሊቃውንቲ ተዛቲ መጽሓፍ ክትኸውን ገይሮም ኣቕሪቦምዋ ኣለዉ።

ወንጌል ብሓይሊ ዓለማዊ ሥልጣን ዘይኮነስ ብኃይሊ መስቀል ኢዩ ዝስበኽ እንክብሉ ናይ ቫቲካን ቤት ማኅተምን ቤተ መጻሕፍትን ኣመሓዳሪ ኣባ ጁዜፐ ኮስታ ሓቢሮም፣ እታ ናይ ቅዱስ ኣቦና መጽሓፍ ብኻልኦት ዝተፈላለያ 20 ቋንቋታት ተተርጒይማ ክትሕተም እውን ድሮ ስምምዕ ከምእተገብረን ካብታ መጽሓፍ ዝርከብ እቶት ሓደ ክፋል ነቲ ቲዮሎጊያ ዘነቓቕሕ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ዝጽዋዕ ማኅበር መካየድ መደብ ዝውዕልን እቲ ፍርቁ ድማ ንናይ ግብረ ሠናይ መሳለጢ ክውዕል ምዃኑ ከምዘመልከቱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.