2011-03-12 15:07:32

ባህላውን መንፈሳውን ዘተ ኣብ ላተራነንሰ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ


ናይ ሮማ ሰበኻ ናይ መናብርተ ጥበብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝሓሊ ቤት ጽ/ፈት ምስ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ብምትሕብባር ዘዳለዎ ጉዳይ ባህልን መንፈሳውን ዘተኮረ ናይ መናብርተ ጥበብ RealAudioMP3 መምሃራርንን ተመሃሮን ናይ ሮማ ሰበኻ ካህናት ዝተሳተፍሉ ዓወደ መጽናዕቲ ከምእተኻየደ መግለጺ ሰበኻ ሮማ እንከመልክት።

ኣብቲ ዓወደ መጽናዕቲ ትማሊ ናይ’ዚ እንነብረሉ ዘሎና ዘመን ባህሊ ናፍቖት እግዚኣብሔር ዘለዎ ኢዩ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተደገፈ ምይይጥ ከምእተኻየደ እንክንገር፣ ናይ ሮማ ሰበኻ ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣጎስቲኖ ቫሊኒ ኣብ ዘቕረብዎ ኣሰተምህሮ፣ ወዲ ሰብ እግዚኣብሔር ዝደልን ዘማዕድውን ናይ እግዚኣብሔር ኅላዌ ናፍቆት ዝስምዖ ኢዩ። ዓለማውነት ምትእስሳር ናይ ዝረጋገጸሉ ዘሎ ዘመን ማኅበረሰብን ዝኾነ ይዅን ሰብ ብዘይ እግዚኣብሔር ኅልውናኡ ኮነ ትርጉም ሕይወቱ ከለልይ ከምዘይክእልን ባዶነት ከምዝስምዖ እውን ኣነጺሮም፣ እዚ ናይቲ ዓወደ መጽናዕቲ ርእሰ ጉዳይ ናይቲ እንነብረሉ ዘሎና ኅብረሰተብ ባህሊ ዘኽትሎ ኩነት ዘይዕግበትን ዘይርውየትን ዝጠልቦ ሕቶን ድላይን ኢዩ። ሰብ ትርጉም ሕይወትን ደስታን ዘናዲ ኢዩ። ስለዚህ ካብ እግዚኣብሔር ወጻኢ ድማ ነዚ መሠረታዊ ናይ ምዃን ጽምኣት ንምርዋይ ዘይከኣልን ዘይሕሰብን ኢዩ። ቅዱስ ኣጎስትጢኖስ “ኦ እግዚኣብሔር ንኣኻ ኢኻ እሞ ፈጢርካና፣ ልብና ኣባኻ ክሳብ ዘይዓርፍ ድማ ጭኑቕ ኢዩ። ንስኻ ኣብ ውሽጠይ እናህለኻ ኣነ ግን ካብ ገዛእ ርእሰይ ውጻኢ (ኣብ ካልእ ሥፍራ) ደለኹኻ” ዝበሎ ሓሳብ ጠቒሶም፣ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ሰብን ዘሎ ናጻ ርክብ ምሥጢር ከምዝኾነን ብወልቅን ብማኅበረሰብን ዝፍጸም ጉዕዞ ኢዩ ከምዝበሉ እንክንገር፣ ናይ ኪየቲ ቫስቶ ሊቀ ጳጳስ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ብፁዕ ኣቡነ ብሩኖ ፎርተ፣ ኣብ ፓኪስታን ዝተቐትሉ ናይታ ሃገር ናይ ውሁዳን ማኅበረሰብ ጉዳይ ሚኒ. ካቶሊክ ምእመን ሻብሃዝ ብሓቲ ዘኪሮም፣ ናይ ዘመንና ሰብ በቲ ድኅረ ዘመናውነት ዘተኣታተዎ ናይ ኢምንትነት እዚ ድማ ሃይማኖታዊ ሞራላዊ እምነታት ዝድምስስ ብትዕቢትን ንቕጽናን ድርቅናን ዝተመልኤ መላኺ ሕሉፍ ርትዓውነት ባህሊ ተተንኪፉ፣ እምነቱ ከይተረፈ በዚ ናብ ባዶነት ብዝመርሕ ባህሊ ተጸልዩ፣ ገዛእ ርእሱን ብጻዩን ሃይማኖትን ብዓቢዩ ብሽም እግዚኣብሔር ጸረ እግዝኣብሔር ዝኾኑ ተግባራት፣ ከም ቅዱስ ተግባር ስለ ዝሓስቦ፣ ኣነሆ ድማ ብሃቲ ብሽም ሃይማኖት ምቕታል ከም ቅኑዕ ናይ ዝሓስብ ባህሊ ኣደዳ ኢዮም። ብምዕባለ ዕደ ጥበብ ብርሃን ዝምራሕ ኣዕምሮ ጥራሕ ዝኣምንን ከምኡ ድማ ብዝኾነ ይዅን ኣገባብ እቲ ዘድሊ ደስታ ኢዩ ዝብል ሥነ ምግባርን ግብረ ገብን ዘየቃልብ ባህሊ ዘስዕቦ ዘሎ ቅልውላው ኣነጺሮም፣ “ገጽ ብጻይ ግልጸት ገጽ እግዚኣብሔር ኢዩ” ዝብል ናይ ፈላስፋ ለቪናስ ሓሳብ ጠቂሶም እግዚኣብሔር ኣቦን ኣደን፣ ናይ ኢየሱስ ፍቕሪ ኢዩ ከምዝበሉ ናይ ሮማ ሰበኻ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.