2011-03-10 15:03:59

ቅድስቲ መንበር ኣብ ደገፍ ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ምዕባለ


ዕዳጋ ንናይ ሓባራዊ ጥቕሚ ዘቕንዔ ክኸውን ቤተ ክርስትያን ከምእተተሓሳስብ ኣብቲ ብሕቡራት መንግሥታት ዓለም ዝተጠልቦ ብዛዕባ ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓት ዝሓሊ ኮሚቴ ዘካየዶ ጉባኤ ዝተሳተፉ ኣባል ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡኻት ኣብ ቅዱስ ዮሓንስ መንበረ ጥበብ መምህር ናይ ሥነ ኤኮኖሚ ሊቅ ፕሮፈሰር ቻረለስ ክላርክ ትማሊ ኣብቲ RealAudioMP3 ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ጠቂሶም፣ መደባትን ናይ ኤኮኖሚ ቅርጽታትን ነቲ ሓምላይ መደብ ኤኮኖሚ ንምርግጋጽን ድኽነት ንምውጋድ ተባሂሎም ዝተሓንጸጹ ሸቶታት ንምስዓብን ንምኽባርን ንምትግባሩ እውን ዝግበር ጻዕሪ ነቲ ናይ ምዕባለ ዕላማ ዝኾነ ምሉእ ናይ ሰብኣዊ ዕብየት ዘነቓቕሕ መደብ ሕንጸት ከይዝግዕ ሓደራ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ ተቐባልነት ዘለዎ ምዕባለ እዚ ድማ ሓምላይ ኤኮኖሚ ንምርግጋጽ ክንኽተሎም ዝግበኣና መገድታት ቢሎም ዝገለጽዎ ኣመለኻኽታ ዝኣምንሉን ሓሳብ ዓቢይን ዓሚዩቕ ትኵረት ክግበረሉ፣ ፕሮፈሶር ክላርክ ኣብ ዘቕረብዎ ዘረባ ሓደራ ቢሎም፣ ከይዲ ምዕባለ ኤኮኖሚ ብዕዳጋ ወይ ድማ ብናይ ሃገራት ውልቃዊ ድላይ ዝምራሕ ኤኮኖሚ ዘድምዕን እዚ ድማ እቲ ንናይ ክብሪ ሰብ ዝመዓራረይ ዓይነት ምዕባለ ብትኽክል ዘረጋገጽ ኢዩ ዝብል እውነተይና ምዕባለ ከምዘይኮነ ቅዱስ ኣቦና ዘሥፈርዎ ሓሳብ ብምትንታን፣ እቲ ውልቃዊ ሕማቕ ኣመል ናብ ናይ ብኄር ጽቡቕ ጠባይ ክልወጥ ብናይ ውልቃዊ ረብሓን ህርፋንን ድላይ ዝምራሕ ዕዳጋ ኢዩ ዘድልይ ዝብል ኣተሓሳስባ ዝኽተል ዘሎ እዋናዊ ዕዳጋ ክልወጥ ፕሮፈሰር ክላርክ ኣተሓሳሲቦም። ቀጺሎም ኣቲ መሰል ዝኾነ ተስፋ ዝኽተልን፣ ተስፋ ዝገብር ኣብ ናይ መንግሥቲ ተቋማታት ዝምሥረት ናይ ምዕባለ ሥልቲ ዝብሎ ሰብኣዊ ባህርይ፣ ተግባር ኅብረተሰብ ኢዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ምዕባለ ንምርግጋጽ እዅል ኢዩ ተባሂሉ ዝንገረና ሥነ ሓሳብ ምሉእ ብምሉእ እኳ እንተዘይኮነ ንእሽቶይ ሓቅነት ኣለዎ፣ እተእኾነ ግን ውልቃዊ ድላይ ይኹን ናይ ዕዳጋ መንግሥታዊ ፖለቲካ ንገዛእ ርእሱ ማሕበራዊ ጥቕሚ ዘነቓቕሕ ዕቝር ኃይሊ ከምዘለዎ ክዝንጋዕ የብሉን ኢሎም።

ምንቕቓሕ ምዕባለ ኤኮኖሚ ድኻታትን ብዝተፈላለዩ ጸገማት ኣብ ዝተነጸለ ሕይወት ዝርከቡ ክፍሊ ማኅበርሰብ ዋጋ ዝገበር ወይ ድማ ዝምዝምዝ ክኸውን የብሉን። ስለዚህ ኤኮኖሚ ብግቡእ ከገልግል እንተድኣ ኮይኑ፣ ሓባራዊ ናይ ግብረ ገብ ኣሠራርዓ የድልዮ ኢዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ናይ ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ምዕባለ ጉዳይ ዝኸታተል ኮሚቴ ጉባኤ ዝመጽእ ዘሎ ኣኼባኡ ኣብ ብራዚል ሪዮ ደ ጃኔሮ ካብ ዕለት 4 ሰነ ክሳብ 6 ሰነ 2012 ዓ.ም. ንምካይድ ብምውሳን ከምእተዛዘመ ተገሊጹ።







All the contents on this site are copyrighted ©.