2011-03-10 15:01:46

ምጅማር ጾም ኣርብዓ ኣብ ናይ ላቲን ሥርዓት ግጽዊ እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን


ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃ ጳጳሳት ትማሊ ብናይ ላቲን ሥርዓት ግጽዊ መሠረት ሮማ ኣብ ዝርከብ ኣብ ባዚሊካ ቅድስቲ ሳቢና ኣብ አቨንቲኖ ተረኺቦም ስታቲዮ ኳረዚማለ ብዝብል ስም ብዝፍለጥ ቀዳሞት ማኅበረ ክርስትያን ንምጅማር ዓቢይ ጾም ዕለተ ረቡዕ ኣብ ቅድሚ ብናይ ምስጋና ጽሎትን ሊጣኒያ ናይ ቅዱሳት ሰማዕታት ብምድጋም ጎይታና RealAudioMP3 ኢየሱስ ክርስቶስን ወንጌሉን ኣብ ዝኾነ ይዅን ሥፍራን ኩነትን ከበሥሩ ቍርጺ ፈቓድ ዘረጋግጽሉን ምስ መንፈሳውያን ነጋዶት ብሓባር ዝክረ ቅዱሳት ሰማዕታት ዝፍጽምሉ፣ ኣብ ቅድሚ ትሩፋት ቅዱሳት ሰማዕታት ዝጽልዩሉ እቲ ኣብ ወንጌል ማርቆስ ምዕራፍ 9 ፍቕዲ 23 ዘሎ እዚ ድማ “ዝኾነ ሰብ ደድኅረይ ኪስዕብ ዚደሊ፣ ገዛእ ርእሱ ይኽሓድ መዓልቲ መዓልቲውን መስቀሉ ተሰኪሙ ይስዓበኒ” ዝብል ምእንቲ ክርስቶስ ገዛእ ርእስኻ ንምኽሓድ ብዕሊ ስንድው ምዃንካ ብሓባር ምስ ማኅበረ ክርስትያን ቃል ምእታው ዝገልጽ ሥርዓት ሊጡርጊያ ብናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ብፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ጳጳሳትን ተሰንዮም ፈጺሞም ቀጺሎም ሥርዓት ቅዳሴ መሪሖም ሥርዓት ባርኾትን ኣብ ርእሲ ምንስናስን ሓሙኽሽቲ ከምዝፈጸሙ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ምጅማር ጾም ኣርብዓ ዘበሥር ሥርዓት ቅዳሴን ባርኾትን ምንስናስ ሓሙኽሽቲ ፈጺሞም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ እቲ ኣብ ርእስኻ ሓሙኽሽቲ ብምንስናስ ዓቢይ ጾም ምጅማሩ ዘበሥር ሥርዓት ብዙሕ ጊዜ ብዕለታዊ መነባብሮና ወጥሪ ምኽንያት እናተዘንግዔ ዝኸይድ ዘሎ ሥርዓት ኢዩ ዝመስል፣ እንተኾነ ግን እዚ ሥርዓት ካብ እግዚኣብሔር ዝተዓደልናዮ ኣብ ጉዕዞ ቤተ ክርስትያን ዓቢይን ዓሚዩቕን ትርጉም ዘለዎ፣ ናብ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ፋሲካ ዘሰንይ ጉዕዞ ዘበሥር ኢዩ ቢሎም፣ ቀጺሎም ናይ ዕለቱ ንብባት ቅዱስ መጽሓፍን ወንጌልን ነዚ መንፈሳዊ ተመኵሮ ብምልኣት ንኽንነብሮ ዝሕብረና ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ነቢይ ኢዮኤል ምዕራፍ 2 ፍቕዲ 12 ክሳብ 13 እግዚኣብሔር ዘሎ “እምበኣርሲ ሕጂውን ንጾምን ብብኽያትን ብቝዘማን ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ…ክዳንኩም ዘይኮነስ ልብኹም ደኣ ቕደዱ” ዝብላ ቃላት ቅዱስ መጽሓፍ ጠቒሶም፣ እግዚኣብሔር ሕዝቡ ንግዚያውን ዘይጥልቂ ንስሓ ዘይኮነስ፣ ንናይ ኅሊና ጥልቂ ጠባይ ዝምልከትን ንሓቀይና ንስሓ ዝዕድም ምዃኑ ገሊጾም፣ ንናይ እግዚኣብሔር ቅድስናን ዕብየትን ኃይልን ግርማን እውነተይና ኣፍልጦ ንክህልወና ዘብቅዓና ናብ እግዚኣብሔር ሓቀይና ምልዋጥ ክንገርብርን ናብኡ ክንምለስን ድማ ይጽውዓና። ምሕረቱ ዳግም ኅያው ዝገብርን ናይ ምድሓን ሓጎስ ዳግም ንኽልግሰልና (መዝ. 50፣ 14) ኣባና ሓድሽ ልቢ ዝፈጥርን ናይ መንፈስ ጽንዓት ኣብ ውሽጥና ዝሕድስ ኢዩ። እግዚኣብሔር ሞት ሓጥኣን ዘይኮነስ ሕይወትን ምልዋጥን ኢዩ ዝደሊ (እዝቅኤል 33፣ 11)። ነቢይ ኢዮኤል ንምልዋጥ ዝዕድም ሕሊና ዘነቓቕሕ ደወል ክስማዕ ይእዝዝ፣ እዚ እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ናብ እግዚኣብሔር ምልዋጥ የድልዮ፣ ናይ እግዚኣብሔር ምሕረትን ፍቕሩን የድልዮ ሓድሽ ልቢ የድልዮ ኢዩ ኢሎም።

ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ኣብ ዝጽሓፋ ካልኤይቲ መልእኽቱ ምዕራፍ 5 ፍቕዲ 20 “ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ” እንክብል ንናይ ምልዋጥ ጉዕዞ ሓድሽ መገዲ ይሕብረና፣ ናብ እግዚኣብሔርን ናብቲ ዝልእኽን ናብ መልእኽቱ ክትኮር ቅዱስ ጳውሎስ ይዕድም፣ “ንሕና ናይ ክርስቶስ ወከልቲ ኢና፣ ኣምላኽ ከኣ ብኣና ገይሩ ይዕድም ኣሎ፣ ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ድማ ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ እናበልና ንልምነኩም ኣሎና። ጳውሎስ እንታይነት ተልእኾኡን መንነት ለኣኺኡን ሰባኺ ቃል እግዚኣብሔርን ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሓዋርያት ምዃኑ የነጽር፣ ምእንቲ’ዚ እግዚኣብሔር መታን ክልወጠና ክንፈቕደሉን ድማ ንጸጋታቱ ክፉታት ክንከውን ከምዝግበኣና ኣረዲኦም፣ መዓየይቲ ኣምላኽ ብምዃንና ጸጋ ኣምላኽ ንኸንቱ ኸይትቕበሉ ንዕድመኩም ኣሎና (2ቆር. 6፣ 1) ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን መዝገብ ትምህርተ ክርስቶስ ክርስቶስ ዘቕርበልና ናይ ምልዋጥ ጻውዒት ኣብ ሕይወት ክርስትያን ወትሩ ዘቃልሕ ድምጺ ኢዩ እንክብል ይገልጸልና፣ ምልዋጥ ናይ ሰብ ተግባር ኣይኮነን ብጸጋ እግዚኣብሔር ተማሪኹን ተነቓቒሑን ነቲ ፈለማ ዘፍቀረና ንናይ እግዚኣብሔር መሓሪ ፍቕሪ መልሲ ዝኾነ (መዝሙረ ዳዊት ምዕራፍ 51 ፍቕዲ 19) ናይ ትሑትን ዝተጠዓሰን ልብ ተግባር ኢዩ ኢሎም።

ቅዱስ ጳውሎስ ንማኀበረ ክርስትያን ቆሮንጦስ ብዘቕርቦ መልእኽቲ ኣቢሉ ንዓና ይዛረበና፣ ኩሉ ሓሳቡን ልቡን ዘብርህ ጸጋ ኣምላኽ የድልዮ ኢዩ። ቀጺሉ “..እነሆ እታምሽእቲ ሰዓት ሕጂ እያ፣ እንሆ እታ መዓልቲ ምድኃን ሕጂ እያ” (2ቆር. 6፣ 2)። ኵሉ ንናይ እግዚኣብሔር ቅዱስ ተግባርን ፍቕርን ገዛእ ርእሱ ክከፍት ዕቑር ኃይሊ ኣኽእሎት ኣለዎ። ኣንሕና ማኅበረ ክርስትያን ብወንጌላዊ ምሥክርነት ሕያዋን ልኡኻት ክንከውን ከምኡ እውን ብዙሕ ጊዜ ኣብ ሓደ ሓደ ኩነትን ከባብን ሰባት ዘንብብዎም እንኮ ወንጌል ኮይና እንርከብሉ እዋን እውን ኣሎ ኢሎም ኣዚ ድማ ኣሰር ቅዱስ ጳውሎስ ዝስዕብ ዓቢይ ሓላፍነት ከምዘሎና የነጽር። ስለዚህ ኣብቲ ናብ እግዚኣብሔር ክምለስ ዘድልዮ ኣብ ጽንኩር ኩነት ዝርከብ ዓለም ናብ ኅያው እምነት ነኸነቕርብ እዚ ዓቢይ ጾም ብምልኣት ንኽንነብሮ ይድርኸና።

ማቴዎስ ምዕራፍ 6 ፍቕዲ 1 “ብሰብ ምእንቲ ኽትርኣዩ ኢልኩም ጽድቕኹም ከይትገብሩ ተጠንቀቑ” ዝብል ዝተነበ ቃለ ወንጌል ኣደጊፎም፣ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዝተነብሩ ንናይ ርህራሀ ተግባር መሠረት ዝኾኑ፣ ምጽዋት፣ ጸሎትን ጸሙን ዝብሉ ጠቂሶም እዞም ተግባራት ድማ ከምቲ ጥንቲ ዝርኤይ ዝነበረ ደጋዊ ተግባርን ከምኡ እውን ናይ ልዕልና ደርቢ ዝገልጽ ከይከውን ካብዚ ዓይነት ኣመለኻኽታ እዚ ክንጥንቀቅ ኢየሱስ የተሓሳበና፣ ከምቲ ካብ ሓጋጊ ኣካል ዝወሃብ ሕጊ ንምፍጻምን ንምኽብር ዘይኮነስ፣ እቲ ናይ ርህራሀ ተግባር ብጥልቅን ናይ ምልዋጥ መጋበርያ ስለ ዝኾነ ብርእሰ ፍትወት ዘይኮነስ ንፍቕሪ እግዚኣብሔርን ተሓሲቡ ክፍጸም ከምዘለዎ ይመኽረና።

ኩሉ ኣብዚ እዋን ጾም ኣርብዓ ንምልዋጥ ዝሕግዘና ጸጋታት ካብ እዚኣብሔር ንክንዕደሎ መታን ነዚ ዘብቅዓና ተግባር ንኽንፍጽምን ልባትና ንፍቓድ ኣምላኽ ምእዙዝ ክኸውን መታን ጸሎትን ንስሓን፣ ደገፍትን ተሓባበርቲ ሽጉራት ብጾትን ኮይና ነቲ ምሥጢረ ፋሲካ ንዳለው ምስ በሉ፣ እታ ናይ ዓቢይ ጾም ጉዕዞና መሪሓ እተሰንየና እኖ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሞይቱ ንሞት ስዒሩን ዝተንስኤ ክርስቶስ ብዑምቆት ኣብ ምፍላጥ መገዲ ትምርሓና ንሓጥያት ኣብ ዝዋጋእ መፍነሳውነት ትደግፍና ኣብቲ ኦ እግዚኣብሔር ድሕነትና ዝኾንካ ናባኻ ለውጠና ዝብል ጸሎት ምህለላ ብሓይሊ ከነቕርቦ ትደግፍና ዝብል ጸሎት ኣቕሪቦም ዘስምዕዎ ስብከት ከምዝፈጸሙ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.