2011-03-10 17:44:52

ሮብዓዊ ትምህርተ ክርስቶስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ፡


ትማሊ ረቡዕ ከምቲ ልሙድ አብ አዳራሽ ጳውሎስ ሻዱሻይ ንምእመናን ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዝሃቡ ክዝከር ከሎ ፡ ብዛዕባ”ዚ ንርክበሉ ዘለና ግዜ አርብዓ ጾም ትምህርቲን መተሐሳሰብን ሂቦም ።

ቅድስነቶም ነቶም ትማሊ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ትምህርተ ክርስቶስ ክህቡ አብ አዳራሽ ጳውሎስ ሳዱሳይ ዝተአከቡ ምእመናን ትምህርተ ክርስቶስ አብ ዝሀብሉ ግዜ ኩሎም ምእመናን መቀሎም ተስኪሞም አሰር ክርስቶስ ክኸትሉ አተሐሳሲቦም።

አተሐሒዞም ጾም ማለት ካብ ክፉእ ነገር ምኽዋል ማለት ከም ዝኾነ ጠቂሶም ጾም ንኢየሱስ ክርስቶስ ምስናይ ምስኡ ምጉዓዝ ማለት ከም ዝኾነ ክአ አረዲኦም ።

ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ኢየሩሳለም ደይቡ ሚስጢራት ስቃይ ሞትን ትንሳኤን ዝፈጸመሉ መካን ከም ዝኽነ ክአ አገንዚቦም።

ሕይወት ክርስትያን ንኢየሱስ ክርስቶስ ምኽታል ምስኡ ምርኻብ ዘጠቃለለ ከም ዝኮነ አመልኪቶም ክአ ንዓይ ክክተል ክመስል ዝደሊ ሰብ ንገዛእ ርእሱ ነጺጉ መስቀሉ ተሰኪሙ ይከተለኒ ከም ዝበለና አዘኻኺሮም።

ቀጺሎም ዝተኸበርኩምን ዝተፈተኹምን ጥዕማትን ህዝበ ክርስትያን እዚ ሕጂ ዘለናዮ ግዜ ጾም”ዚ ግዜ ጽዑቅ ጸሎት ግዜ አስተንትኖ ቃለ እግዚአብሔር ንሰምዓሉን ክርስትያናው ሕይወትና ንምርምሉን ግዜ ከም ዝኾነ ክአ አገንዚቦም።

ሥርዓተ ሉጢርግያ ጾም ቤተ ክርስትያን ወዲ ሰብ ንኽድሕን ዝተገብረ መስርሕ ነጽንዓሉን ንምርምረሉን ንምንታይ ከም ዝተገብረ ብጥልቂ ንሐስበሉን ግዜ ከም ዝኾነ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ነቲ ትማሊ አብ አዳራሽ ጳውሎስ ሳዱሻይ ዝተአከበ ህዝበ ክርስትያን ገሊጾምሉ ።

አብ ርእሲ”ዚ ግዜ አርብዓ ጾም ህልውና ክርስቶስ ትማሊ ሎሚ ጽባሕ ንሐስበሉ ነስተማቅረሉ ምእንቲ ድሕነትና ዘካይዶም ስርሐት ኩሉ እንደገና ንምርምረሉ ግዜ ከም ዝኾነ ስለ ዝኾነ ክአ ምእመናን አርብዓ ጾም ከምቲ ባዕሉ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጾሞም ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ትምህረናን አብ ግብሪ ክንትርጉሞ ከም ዝግብአና በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ አተሐሳሲቦም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብቲ ትማሊ ኣአብ አዳራሽ ጳውሎስ ሳዱሳይ ዝሀብዎ ተምህርተ ቤተ ክርስትያን አተሐሒዞም፡ ግዜ ጾምን ምስጢረ ትምቀትን ዝተአሳሰረ ከም ዝኾነ ጠቂሶም ፡ ብሐጢአት ተጨማሊቁ ዝሞተ ሰብ ብትንሳኤ መድኀኔ ዓለም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሐዲስ ሕይወት ከም ዝረኸበ አዘካኺሮም።

እምብአር ከስ ብግዜ ጾም ቅድመ ሚስጢረ ትንሳኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዉ ሚስጢራት ፡ ጾም ፡ ጸሎት ፡ ንብስእነት ዝተሸገሩ ምርሕራሕ ምልጋስ ምንጻህ ገቢራዊ ክንገብሮም ከም ዝግባእ ቅድስነቶም አተሐሳሲቦም አለዉ ።

አብቲ ንምእመናን ዝሃብዎ ሮብዓዊ ትምህርቲ አተሐሒዞም ጾም ማለት ጾም ማለት ካብ መግቢ ምእጋድ ማለት ጥራሕ ከምዘይኮነ አመልኪቶም ኩሉ ክፋእ ነገር ምውጋድ ፡ሕድአት ዓቅሊ ምግባር ርእስካ ምቁጽጻር መመርሕታትን ትምህርትን ቅዱስ ወንጌል ምክትታል ከም ዘድሊ ክአ አረዲኦም።

ክልግሱ ዝግብኦም ሃብታማት ገንዘብ ዘለዎም ሰባት ጥራሕ ዘይኮነስ ኩሉ ብዓቅሙ ንዘይብሎም ክሕግዝ ከም ዝግባእ ክአ ቅድስነቶም አመልኪቶም።

ክርስቶስ ምእንቲ ድሕነትና ተሳቅዩ ተሰቂሉ ሞይቱ ተንሲኡ ስለዚ ንትንሳኤኡ ተሐዲስና ጸሪና ብታሕጓስ ክንቅበሎ ከም ዝግባእ ክአ እተሐሒዞም ገሊጾም።

ቅዱስ ጳውሎስ ሐዋርያ አነ አይኮንኩን ዝነብር ዘለኹ ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ አብ ውሽጠይ ዝነብር ዘሎ ዝበሎ ጠቂሶም ምስ ክርስቶን ብክርስቶስ ክነብር ከም ዝግባእ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዝሀብዎ ትምህርተ ክርስቶስ ክሰምዕ አብ አዳራሽ ጳውሎስ ዝተአከቡ ምእመናን ንኹሎም ህዝበ ክርስትያንን አተሐሳሲቦም ።

 








All the contents on this site are copyrighted ©.