2011-03-08 14:46:53

ናይ ፓኪስታን ብፁዓን ጳጳሳት፣ ፍትሕን ሰላምን


ዕለት 2 መጋቢት 2011 ዓ.ም. ኣብ ፓኪስታን ርእሰ ከተማ ዝተቐትሉ ኣብ መንግሥቲ ፓኪስታን ንፈለማ ግዜ ንዝለዓለ ናይ መንግሥቲ ሓላፍነት ዝተረከቡ ካቶሊክ ምእመናን ናይ ውሁዳን ክፍሊ ኅብረተሰብ RealAudioMP3 ጉዳይ ሚኒስትር ሻባዝ ብሃቲ ንምዝካር ናይ ፓኪስታን ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ፍትሕን ሰላምን ድርገት ዝኣወጆ ናይ ሳልስቲ ብሔራዊ ናይ ሓዘን መግለጺ መንፈሳዊ መደብ ኣብ 500 ኣቢያተ ክርስትያን ብዝቀረቡ መሥዋዕተ ቅዳሴን ናይ ፍትሓት ጸሎትን ተሰንዮ ትማሊ ከምእተፈጸመ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እቲ ናይ ሳልስቲ ናይ ሓዘን መግለጺ መንፈሳዊ መደብ ኣብ ፓኪስታን ደቡባዊ ፑንጃብ ብጠቕላላ ልዕሊ 4 ሺሕ ዜጋታት ብዘሳተፈ ሰላማዊ ሰልፊ እውን ከምእተሰነየ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ። ዝመጽእ ዘሎ ዕለት 18 መጋቢት ኣብ ካራቺ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕቲ ዝሳተፍሉ ዜጋታት ንምርግጋጽ ዴሞክራሲ ዝብል ማኅበር ዘዳለዎ ናይ ፓኪስታን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ፍትሕን ሰላምን ድርገት ዝሳተፈሉ መደብ ጻውዕት ማኅበራውን ሃይማኖታውን ሰላም ክካይድ ምዃኑ እንክንገር፣ ናይ ፓኪስታን ኅብረተሰብ ዘዳለዎ ማኅበርሰብ ክርስትያንን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ተሟገትቲ ማኅበራትን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ዝሳተፍሉ ኣብ ፓኪስታን ናይ ውሁዳን ክፍሊ ኅብረተሰብ መሰልን ፍቓድን ውሑስ መታን ክኸውን ነዚ ዕላማ ዘነቓቕሕ ብስም ነፍሰኄር ብሃቲ ዝካይድ መደብ ጻውዒት ሰላም ክካይድ ምዃኑ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣብ ፓኪስታን ጳጳሳዊ ግብረ ተልእኾ ሓላፊ ኣባ ማሪዮ ሮድሪገዝ ዝሃብዎ መግለጺ ጠቒሱ እንክሕብር፣ በቲ ኣብ ልዕሊ ሚኒ. ብሃቲ ዝተፈጸመ መቕተልቲ ናይታ ሃገር ማኅበረ ክርስትያን ተስፋ ከይቖርጸ ምእንቲ ሰላም ወትሩ ነቒሑ ክጽልን ብሰላምዊ መገዲ ዝተሰነየ ማኅበራዊ ሰላም ክረጋገጽ ዝጠልቡ መደባት ክረጋገጽ ዘተባብዕ ኮይኑ ብፍላይ ድማ ኣብዚ እዋን ጸመ ኣርብዓ ብትብዓትን ብእምነትን ክካይድ ኣለዎ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልጎት ገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.