2011-03-08 14:44:22

ብፁዕ ካርዲናል ፒያቸንዛ፣ ካህን ኅያው ቃለ ወንጌል ክኸውን ዝተጸውዐ ኢዩ


ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ማውሮ ፒያቸንዛ ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ንመላእ ካህናት፣ ናብቲ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ጸዋዕታኦም ወትሩ ዘንቅሖምን ዘቕርቦምን ምስቲ ጸውዓታኦም ዝተመዓራረየ ሕይወት ክመርሑ ወትሩ ኅያዋን ቃለ ወንጌል ኮይኖም ክርከቡ ዘተሓሳስብ መልእኽቲ ከምዘተሓላለፉ ናይ RealAudioMP3 ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ካህናት ኣብ’ዚ እንነብረሉ እምነትና ዝጠማመትን ዘተዓናቕፍን ተዛማዲ ባህሊ ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ እዋናዊ ዘመን፣ ናይ ጥበብ ብርሃን ዘነጽሩን ዝሕብሩን ኢዮም። እዚ ድማ እቲ እንኮ ብድሆ ንኽንልወጥ ዝጽውዕ ወንጌላዊ ሕይወት ምንባር ምዃኑ ገሊጾም፣ እቲ ምልዋጥና ዝተሓደሰ ምልዋጥ ኽከውን እዚ ማለት ድማ ዘይደጋገም ልሙድ ምልዋጥ ማለት ዘይኮነስ ወትሩ እናተሓደሰ ዝኸይድ ምላዋጥ ክኸውን ኣለዎ። እቲ ሓደሽ ኣስፍሆተ ወንጌል፣ ተኃድሶ ካህናት ዝጠልብ ኢዩ ቢሎም፣ እዚ ተኃድሶ ካህናት ወትሩ ካብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝምንጭ ክኸውን ከምዘለዎ ብፁዕ ካርዲናል ማውሮ ፒያቸንዛ ኣብቲ ንካህናት ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘመልከቱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ናይ ካህን ሕይወት ኅያው ቃለ ወንጌል ክኸውን ከምዘለዎን፣ ማዕረ ዝተቐበልዎ ጸዋዕታ ክበረኩን ናብቲ ናይ ካህነት ጸዋዕታኦም መለልዪ መነንት ዝዓብዩን፣ ውትሩ ናብዚ መለለዪ መንነቶም ዝልወጡን እዚ ድማ ኣብ ቅዱስ ቍርባን ዝቐውም መለለዪ ከዝምዝኾነ ኣረዲኦም፣ በቲ ወትሩ በቢ መዓልቲ ዘዕርግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣገልገልትን ኣብሰርቲ ወንጌልን ምዃኖም ተኣሚኖም ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝቖመ መለለዪ መንነቶም ካብ ቅዱስ ቁርባን ዝምንጭ ኢዩ ቢሎም፣ ስለዚ እዚ ወትሩ ምልዋጥ ዝሓትት ጸዋዕታ ክህነት ምስ ቤተ ክርስትያንን ብፁዓን ጳጳሳትን ኅብረት ዘለዎ ተኣዝዞን፣ ናይ ቤተ ክርስትያን ሥልጣናዊ ትምህርቲ ዝኽተልን ዘኽብርን ዝእዘዝን ምስ’ዚ ትምህርቲ’ዚ ዝሓብርን ምስ ቤተ ክርስትያን ኅብረተ ዘለዎን ኢዩ። ካህናት ኣብ ዕለታዊ ሕይወቶም ኣብ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መሥዋዕቲ ዝሳተፉን ንኸገልግሉ ዝተጸውዑን ኢዮም። ናይ ገዛእ ርእሱ ልኡኽ ካህን የሎን ቢሎም፣ ምስ ኢየሱስ ክኅብሩን ሓቀይና ኣብሰርቲ ክርስቶስ ኮይኖም ክርከቡን ጸላያን ክኾኑ ኣለዎም ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.