2011-03-05 13:30:13

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት


እቲ በቢ ዓመቱ ብእንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ዝዳለው መደብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ለብዘበን ኣብ ማድሪድ ክካይድ ቅዱስ ኣቦና ቅድሚ ሓደ ዓመት ከምዝወሰኑ ክዝከር RealAudioMP3 እንከሎ፣ ኣብዚ ለብዘበን ካብ ዕለት 15 ክሳብ ዕለት 21 ነሓሰ 2011 ዓ.ም. ኣብ ማድሪድ ዝካየድ መደብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት መሠረት፣ ካብ ደትሮይትን ፊላደልፊያን ኒው ዮርክን ካብታ ናይ 2003 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእስያት ዘእንገደት ከተማ ደንቨር ብጠቕላላ ልዕሊ 16.500 መንእሰያት ንኽሳተፉ ከምእተመዝገቡ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ጠቂሱ እንከመልክት፣ ካልኦት ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ናይ ዝርከባ ናይ ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊክ ምንቅስቓሳትን ማኅበራት ዝተዋጽኡ 380 ኣባላትን ከምኡ ድማ ናይ ኔው ዮርክ ሊቀ ጳጳስን ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ቲሞትይ ዳልቶን ናይ ቦስቶን ሊቀ ጳጳሳ ብፁዕ ካርዲናል ሲን ኦማለይን ናይ ቺካጎ ሊቀ ጵጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፍራንሲስ ጆርጅን ናይ ዋሽንግተን ልሒቅ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ተየኦዶረ መክካሪክ ዝርከብዎም ብጠቕላላ 60 ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ክሳተፉ ምዃኖም ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ዝጠቐሰ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.