2011-03-05 13:29:02

ኮንጎ፣ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ተስፋ ምርግጋጽ ሥርዓት ዴሞክራሲ


ናይ ኮንጎ ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ነቲ ለምዘበን 2011 ዓ.ም. ዕለት 27 ወርሒ ሕዳር ንኽካይድ ተወሲኑ ዘሎ ሕዝባዊ መረጻ መሠረት ኣብ ዘተሓላለፎ RealAudioMP3 መልእኽቲ፣ እቲ ምርጫ ሓቀይና መሠረት ሥርዓት ዴሞክራስን ሰላማውን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ንኽኽበር ዝድግፍን ዘተባብዕን ክኸውን ዝብል ተስፋኦም ኣንቢሮም፣ ቀጺሎም ናይ ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ብድሆታት ዝሥገሩ ናጻን ግልጽን ሕዝባዊ ምርጫ ዝመዞ ዘተኣማምን ብቑዕን ቅኑዕን ሥርዓት ምሕደራ ዝትግብር መንግሥቲ ኮይኑ ክርከብ እንክሎ ጥራሕ ኢዩ ከምዝበሉ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ብፁዓን ጳጳሳታ ኮንጎ ኣብ ሃገሮም ነቶም ምግባረ ብልሽውና ብዘተኣታትዎ ዘይተመዓራረየ ደርቢ ማኅበራዊ ናብራን ካብ ተጠቃምነት ሃብቲ ሃገር ተነጺሎም ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከቡን ኣደዳ ኢማዕርነት ዝኾኑ ዜጋታት ብምጥቃስ፣ ኣብታ ሃገር ዘሎ ምግባረ ብልሽውና ክውገድ ብምትሕሳስብ፣ ቅዋም ሃገር ክኽበርን ዜጋታት ናጻ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ኣገልግሎት ተጠቀምቲ ክኾኑን ሓሳቦ ንምግላጽ ክኽእሉን ኣድልዎን ዓመጽን ንምውጋድ ዝግበር ጻዕሪ ውሕስነት ሥርዓት ዴሞክራሲ ኢዩ ከምዝበሉ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ኣብ ቀረባ እዋን ብዘይ ዓሚዩቕን ኣርሒቑ ብዘይጥምት መጽናዕቲ ጉያ ጉያን ታሕዋኽን ቅዋም ሃገር ንምሕዳስ ዝተገብረ ከይዲ፣ ዴሞክራሲ ሥርዓት ዝገትእ ነጋሪ ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ሥርዓት ምልካውነት ከይከውን እንክብሉ ዘለዎም ሥግኣት ከምዘግሃዱ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.