2011-03-04 10:31:29

በነዲክቶስ መበል 16° ንዳይረክተር መደብ መግቢ ጆስት ሺረን ተቀቢሎም አዘራሪቦም፡


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ናይ ዓለም መደብ መግቢ ዳይረክተር ጆሰት ሺራን አብ ቤት ጽሕፈቶም ተቀቢሎም ከም ዘዘራረብውን ዓለም ለኸ መደብ መግቢ ዘውጽኦ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ አሎ።

ቅድስነቶምን ናይ ዓለም ለኸ መደብ መግቢ ዳይረክተር ጆስት ሺረንን ብሐፈሻ ኩነታት መግቢ ህዝቢ ዓለም ብፍላይ ክአ ብጠንቂ”ቲ አብ ሰሜናዊ አፍሪቃ ተኸሲቱ ዘሎ ፖሊቲካዊ ቅልውላውን እዚ ዘስዓቦ ሰብአዊ ሽግርን ዘተኮረ ዘተ ከም ዘካየዱ እቲ መግለጺ አመልኪቱ።

ጆስት ሺረን አብዚ ቀረባ ግዜ አብቲ ንሊብያን ንቱኒሲያን ዘዳውብ ቦታ ዘሎ ሰብአዊ ቅልውላው አብቲ ቦታ ከይደን ከም ዝተዓዘብኦን አዝዩ ጽንክር ኩነታት ከም ዝኾነ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከም ዝገለጻሎም እቲ መግለጺ አገንዚቡ።

አብ ሊብያ ዝሰርሑ ዝነብሩ ብዓሰርተ አሽሐት ዝቁጸሩ ዝበዝሑ ዜጋታት ምስሪ ብሰር”ቲ አብ ሊብያ ዘሎ ፖሊትካዊ ግጭት ካብታ ሀገር ክወጹ ከም ዝተገደዱ ክምልከት ከሎ አብቲ ምስ ቱኒሲያ ዘዳውብ ቦታ ተአኪቦም ከም ዘለዉ ይፍለጥ።

ብጠንቂ ፖሊቲካዊ ህውከት በአሽሐት ዝቁጸር ህዝቢ አብ ዓቢ ጸገም ምውዳቁ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ እዚ ጉዳይ”ዚ ብዙሕ ከም ዘተሐሳሰቦም ጆስት ሽረን ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝሃባ ይምልከት ።

ዓለም ለኸ ማሕበረ ሰብ ነዚ ሰብአዊ ቅልውላው”ዚ ፍታሕ ክረከበሉ ህጹጽ ኩለንትናዊ ረዲኤት ከቅርብ ክአ ከም ዘተሐሳሰቡ ጆስት ሺረን ከም ዘመልከታ ዓለም ለኸ መደብ መግቢን አብ ቫቲካንን ዝወጹ መግለጽታት አፍሊጦም።

ዓለም ለኸ መደብ መግቢ ነቲ አብ ዙርያ ዓለም ብጥሜት ንዝሳቀ ዘሎ ህዝቢ ዘቅርቦ ናይ መግቢ ረዲኤት ዝምስገን ከም ዝኾነን አብ ቀረብ መግቢ ከተኩርን ክአ በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ከም ዝተማሕጸኑ ናይቲ ዓለም ለኸ ተቅዋም መደብ መግቢ ዳይረክተር ጆሰት ሺረን ከም ዘገንዘባ ተፈሊጡ አሎ።

አብዚ እዋን”ዚ ዋጋ መግቢን ነዳዲን አብ ዝንህረሉ ዘሎን ፖሊቲካዊ ለውጢ ዝሕተተሉ ዘሎን ግዜ”ዚ ብሚልዮን ዝቁጸር ህዝቢ ይዘናበልን ብጥሜት ይጥቃዕን አብ ዝርከብበሉ ዘሎ እዋን “ዚ ተቅዋማት ረዲኤት ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርትስያን ብዝአክአል መጠን ንዝተሸገረ ህዝቢ ረዲኤት ከም ተቅርብ ክአ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ንዳይረክተር ዓለም ለኸ መደብ መግቢ ጆሰት ሺረን ከም ዝገለጹለን ሐቢሩ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ ።

ተቅዋማት ረዲኤት ቤተ ክርስትያን ምስ መደብ መግብን ምስ ናይ መንግስቲ ዘይኮና ናይ ረዲኤት ማሕበራት ብሐባር ሕጽረት መግቢ ንምግታእ ከም ትሰርሕ ክአ ቅድስነቶም ከም ዝገለጹ መግለጺ ዓለም ለኸ መደብ መግብን መራኸቢ ብዙኀን ቫቲካንን ሐበሬታ ሂቦም።

ካሪታስ ኢንተርናጽዮናሊስ ምስተን አብ ስሳ ሕገራት ዘለዋ ቅርንጫፋታ ማሕበረ ሰብ ቅዱስ ኤጂድዮ Catholic Relief Service ካቶሊካዊ ረዲኤት አገልግሎትን ካልኦትን ንዝተጸገመ ህዝቢ ንምርዳእ ተዋፊረን ከም ዘለዋ ክአ ሐቢሩ ዝመጸ ዜና አዘኻኺሩ ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፡ ቅድሚ ትማሊ ዓለም ለኸ መደብ መግቢ ካብ ደቡባዊ ኢጣልያ ካብ ከተማ ብሪንዲሲ ነቲ አብ ዶብ ሊብያን ቱኒሲያን ተጨቃጪቁ አብ ሽግር ዝርከብ ህዝቢ ንምርዳእ ረዲኤት ዝጽዓና ክልተ ነፈርቲ ከም ዝልአኸ ተፈሊጡ አሎ።

ዓለም ለኸ መደብ መግቢ አብ ዓመት ነቶም አብ ተስዓ ሀገራት ብጥሜት ዝሳቀዩ ዘለው ተስዓ ሚልዮን አህዛብ መግቢ ከም ዝዕድል እቲ መደብ መግቢ ዘውጽኦ መግለጺ አመልኪቱ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.