2011-03-01 15:30:48

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ወንጌል ኣብ ምዕባለ ባህሊ ሥነ ኣኅዝ ዝፈጥሮ ቋንቋ


ቤተ ክርስትያን ወንጌል ኣብ ምዕባለ ባህሊ ሥነ ኣኅዝ ከተሰረጽ መታን ብዛዕባ ሓድሽ ቋንቋ መራኸቢ ብዙሃን ዓሚዩቕን ንጹርን ልክዕነት ዝዓሰሎ ጭሙት ኣፍልጦ ክህልዋ ከምዝግባእ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በመዲክቶስ መበል 16 ናይ መራኸቢ ብዙኃን ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘዳለዎ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ኣብ ዝካይድ ዘሎ ዓመታዊ ምልኣተ ጉባኤ RealAudioMP3 ተጋባእያን ተቐቢሎን መሪሕ ቃል ኣብ ዝለገስሉ ርክብ ኣመልኪቶም፣ ናይ ቤተ ክርስትያን ተልእኮ ኣስፍሆተ ወንጌል ንምሕጋዝን መጠን ትሕዝቶ እምነት ክርስትና ክሰፍሕን ኣብ ናይ ዘመንና ባህሊ ክሰርጽን ናይ ህልው ዘመናዊ ባህሊ ቋንቋ ብምጽናዕ ጭሙት ኣፍልጦ ክህልዋ ይግባእ። ቋንቋ ስምዒት ዘለዓዕል ብምዃኑ ንሓደጋ ዝተቓልዔ እውን እንተኾነ፣ ብትእምርቲ ሃብታም ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ኣብ ኣገልግሎት ደረት ሰገር ዝተጸምደን ኢዩ። ቅዱስ መጽሓፍን ብሥነ ኣኅዝ ዝተራቐ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ባህሊ እንታይ ዘራኽብ ኣለዎ ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም፣ ሳላ ኣጠቓቕማ ቋንቋ፣ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ መጽሓፍ ብሓፈሻኡ ብሥራተ ወንጌል ንዅሉ ንጹር ኮይኑ ኵሉ ክርድኦ ክኢሉ ኢዩ። ንሳ ኣብ መሠረታ ጸኒዓ ምስ ግዜ እትጓዓዝ ኢያ ኢሎም።

ቅዱስነቶም ብዙሕ ጊዜን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብዛዕባ ሓድሽ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለን ኣብ መራኸቢ ብዙሃንን ኣብ ተራኻቢ ባህርይ ሰብ ዘስዓቦ ኣሉታውን እወታውን ጽልዋ ኣደጊፎም መሪሕ ቃል ከምዝሃቡ እንክዝከር፣ እቲ ኣብ ባህላዊ መዳይ ዓቢ ለውጢ ዘስዕብ ዘሎ ምዕባለ ዕደ ጥበብ ንኣብነት እቲ ኣብ ግንዛቤን ርድኢትን ምርምርን ምሕሳብን ከይዲ ኣተሓሳስባ ሓድሽን ዘይተራእየን ዕድል ብምዝርጋሕ ዝፈጥሮ ዘሎ ለውጢ ምፍላጥ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ነቲ ለውጢ ናይ ምትንታኑ ብቕዓት ምምዕባል የድሊ። ስለዚህ ኣብዚ እዋን ካብቲ ብቓል ካብ ዝወራረስ ባህሊ ዝያዳ እቲ ብጽሑፍ ዝስነ ባህሊ ይዕብልል እውን እንተሃለወ፣ ባህሊ ኣብ ገዛእ ርእሱ ናይ ተሰጋጋሪ ባህርይ ዘለዎ እቲ ቅዉም ነገሩ ከይሰሓተ ብሓድሽ ዝውለድ ባህልን ቋንቋን መሠረት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝመሓላለፍ ምዃኑ ኣረዲኦም፣ ብመርበብ ሐበሬታ ዝፍጸም ርክብ ኢሰብኣዊ ርክብ ዘይኮነስ እቶም ዝራኽቡ ሰባት ምዃናዊ መምነቶም ዘኸትሎ ርክብ ኢዩ። ሓበሬታ ምልዋጥ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ገዛእ ርእስካ ብሓፈሻኡ ኣመለኻኽታኻን ርእየትካን እተካፍልሉ መዳይ ኢዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ኣብዚ ሓድሽ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ምዕባለ ወዲ ሰብ፣ ብምሒር ናህሪ ተራኻብነት ውሳጣዊነቱ እናጥፈኤ ዘሎ ኢዩ ዝመስል፣ እዚ ድማ እቲ ርክብ ዘይጥልቂ እናኾነ ስምዒትካን ድላይካን ሓቂ ናይ ምንዳይን ንሓቂ ዘሎካ ሃረርታ ብናይ ሓፈሻውን ናይ ብዙሃንን ርእይቶ እናተካእኻ ካብ ገዛእ ርእስኻ እትሃድመሉ ስለ ዝኾነውን፣ ኣብዚ ጉዳይ ዘስዕቦ ሓደጋ ከቢድ ምዃኑ ገሊጾም፣ እቲ ዝኽሰት ዘሎ ምዕባለ ዕደ ጥበብ ብምልኣትን ብትክክልን ምንባሩ የድሊ። እቲ ናይ ዕደ ጥበብ ምዕባለ ዝፈጥሮ ሓድሽ ቋንቋ ክጽናዕን ኣስተንትኖ ክግበረሉ ይግባእ ቢሎም ብምትሕስሳብ፣ እዚ ሓድሽ ናይ ዕደ ጥበብ ምዕባለ ሓደስቲ ብድሆታት ሒዙ ኢዩ ዝመጽእ እዚ ድማ ናይ ምርዳእን ናይ ምዝራብ ሓሳብካ ኣብ ናይ ምግላጽን ጽና ናይ ምባልን ሰብኣዊ ባህርይ ዓቢ ተጽእኖ ኣለዎ። ነቲ ደረት ሰገር ሃረር ናይ ምባል ሰብኣዊ ባህርይ ዝትንክፍ እውን ኢዩ። ስለዚህ ኣቲ ሓደሽ ዝውለድ ናይ ሥነ ኣኃዝ ምዕባለ ዘኸትሎ ቋንቋ ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቋንቋ ዝጥቅመሎም ቃላትን ዝገልጾምን ምሳሌኣዊ ኣዘራርባኡን ከመይ ገይሩ ክገልጾ ከምዘለዎ ምጽናዕ የድሊ። ስለዚህ ብዛዕባ መግሥቲ ኣምላኽ ንናይ ዘመንና ሰብ ንኽንዛረብ እንኽእለሉ ብቑዕ ዝኾነ ምስ ጊዜ ዝኸይድ ቋንቋ ምልላይ ናይ ተልእኾን ኃላፍነትን ግድነትን ኢዩ ከምዝበሉ መግለጺ ቅድስቲ መበር ኣመልኪቱ።

ቁዱስ ኣቦና ኣብ መደምደምታ መልእኽቶም ነቶም ተግባእያን ኣብ ልዕሊ ምዕባለ መረኸቢ ብዙሃን ብውዕዉዕ ስምዒት ወይ ድማ ብተጠራጣርነት ንምጥማቱ ምጉያይ ዘይኮነስ፣ ከይዲ ምዕባለ ነቲ ብኣርኣያን ኣምሳልን እግዚኣብሄር ክይና ዝተፈጠርናሉ መንነትና ምስ እግዚኣብሔር ከምእንሓብር ዝገብረና ዘረጋገጽ ክኸውን ይግባእ። ስለዚህ ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ቅዱስ መጽሓፋዊ ተራኽቦ ከምቲ ቋንቋ ናይቲ መስሓቲ ተመን ሁከትን ዘይምርድዳእን ዓመጽን ብሓፈሻኡ ከምቲ ናይ ቃኤል ቋንቋ ዘይኮነስ ብዘተን ብኃላፍነትን ዝተሰየነ ኣብርሃምን ሙሴን ኢዮብን ናይ ኩሎም ነቢያት ኣብነት ዝኽተል ክኸውን ኣለዎ እንክብሉ ዝሓብዎ መሪሕ ቃልን ከምዝደምደሙ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.