2011-03-01 15:34:35

ስፐይን፦ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት


ኣብ ስፐይን ርእሰ ከተማ ማድሪድ ናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዓመታዊ ሓፈሻዉ ጉባኤ ትማሊ ናይቲ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ናይ ማድሪድ ሊቀ ጳጳስ RealAudioMP3 ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶኒዮ ማሪያ ሮውኮ ቫረላ ብዘስምዕዎ ዘረባ ከምእተጀመረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። እቲ ዝከይድ ዘሎ ሓፈሻዊ ጉባኤ ናይቲ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብጀካ ንሓሙሽተ ዓመት ናይ ኣገልግሎት ኃላፍነት ገደብ ዘለዎ ናይ ዋና ጸሓፊ ተልእኾ፣ ናይ ካልኦት ናይ ዝተፈላለያ እቲ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝሓቕፎም ድርገታት ሊቃነ መናብርት ናይ ሰለስተ ዓመት ናይ ኃላፍነት ተልእኾ ዘብቆዑ ዳግም ዝሕድስ ከምዝኾነን እንክፍለጥ፣ ብፁዕ ካርዲናል አንቶኒዮ ሩኦኮ ቫረላ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ብዛዕባ እቲ በቢ ዓመቱ ብእንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ዝዳለውን ለምዘበን ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ማድሪድ ንኽካይድ ቅዱስ ኣቦና ዝወሰንዎ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣማእኪሎም ንመንሰያት ፍቕሪ ወንጌል ክብሰር ዝድግፍ ጥራሕ ዘይኮነስ ንመላእ ኅብረሰተብ እውን እዚ ቃል ፍቕሪ ክበጽሕ ዘተባብዕ ኢዩ ቢሎም፣ ኣብ ቤተ ክርስትያን ስፐይን ትግባሬ ውሳኔታት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ፍርያማነቱ ስፍሕ ብዝብለ ብመጽናዕቲ ዝተደገፈ ሓበሬታ መሠረት ከምዘረድኡን፣ ቅ.ኣ. ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ክርስትያናዊ መበቆል ዘለዎ ባህሊ ኤውሮጳ ክተባብዕ ብተደጋጋሚ ዘቕርብዎ ጻውዒት ናይ ስፐይን ቤተ ክርስትያን መሪሕ ገይራ ከምእትንቀሳቐስ እውን ሓቢሮም፣ ብዛዕባ ጸዋዕታ ክህነትን ምሥጢረ ተክሊልን ሥድራ ቤትን፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ዓለም ዝርኤ ምስፋሕ መሃይማነት ሓቀይና ፍቕሪ ክውገድ ናይ ወንጌል ፍቕሪ ንኽተባባዕ ዳግማይ ኣስፈሆተ ወንጌል ዘተባብዖ መደብ ኣብ ስፐይን ናይ ቅድስቲ መንበር ወኪል ብፁዕ ኣቡነ ረንዞ ፍራቲኒ ነቲ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ ዝረባ ሓቢሮም፣ ናይ ሕይወት ባህል ተንቲኖም ናይ ሕይወት ባህሊ ብምኽባር ናይ ሞት ባህሊ ይውገድ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.