2011-03-01 15:36:13

ሱዳን፦ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት


ደቡብ ሱዳን ልዑላዊት ናጻ ሃገር ንኽትከውን ውሳኔ ሕዝቢ ዘረጋገጾ ድላይ መሠረት ዕለት 9 ሓምለ 2011 ዓ.ም. ብወግዒ ሃገራዊ ሉዓላውነታ ከምዝእወጅ ክንገር እንከሎ ናይታ ሃገር ብጹዓን ጳጳሳት RealAudioMP3 ኣብ ደቡባዊ ሱዳን ሓቀይና ሰላምን ሓድነትን ክረጋገጽ ክጽለ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ክንገር እንከሎ፣ ናይ ሩመበክ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ቸሳረ ማዞላሪ ድሕሪ ኣቲ ኣብ ጁባ ዝተኻየደ ናይ ሱዳን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጉባኤ፣ ኣብታ ሉዓላውነታ እትእውጅ ሃገር፣ ኣብ ሥነ ኣቀማምጣ መሬት ጥራሕ ዝቐውም ናጽነት ዘይኮነስ ሰላምን ሓድነት ዘድምዕ ክኸውንን ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ማኅበራዊ ጉዳይ ዝምልከት ሥልጣናዊ ትምህርቲ መሠረት ዝገብር ሰሙናዊ መደብ ኣስተምህሮን ኣስተንትኖን ክፍጸም ኣቲ ቤት ምኽሪ ከምዝወሰነ ከምዝሓበሩ ቺሳል ናይ ኣፍሪካ ናይ ካቶሊክ ናይ ዜና ኣገልግሎት ካብ ዝሃቦ ምንጪ ዜና ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.