2011-02-26 14:04:57

ናይ ቅድስቲ መንበር ርዕሰ ዓንቀጽ፦ ፍርሒ ዘይኮነስ ምሕዝነት


ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም ሓላፍን ናይ ቫቲካን ራዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ከምቲ ልሙድ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ዘቕርብዎ ናይ ቅድስቲ መንበር ርዕሰ ዓንቀጽ ብምቕጻል፣ ትማሊ ነቲ ኣብ ሃገራት ዓረብ ሕዝባዊ ድላይ ዘንቅሎ ዘሎ ለውጥታት ፍርሒ ዘይኮነ ምሕዝነት ብዝብል ኣርእስቲ ኣምሪሖም፣ RealAudioMP3 እቲ ሕዝባዊ ለውጢ ዘጋጥሞ ዘሎ ዓመጽ ብፍላይ ድማ ኣብ ሊቢያ ዝርኤ ዘሎ ኩነት ጠቒሶም፣ ኣቲ ሕዝቢ ዘለዓዕሎ ዘሎ ናይ ፖሊቲካ ለውጢ ዝሓትት ሕቶ ዘጋጥሞ ዘሎ ግብረ መልሲ ዓመጽ ዝመልኦ ኢዩ። እዚ ድማ ብሓቂ ካብቲ እቲ ሕዝባዊ ለውጢ ከምጽኦ ኢዩ ዝበሃል ለውጢ ክንየው ዘጉህይ ከምዝኾነን ኣብዚ ሕዝባዊ ናዕቢ ዝርኤ ዘሎ ናይ ሕይወት ሓደጋ ብሓቂ ዘሕዝን ኢዩ። እዚ ዓመጽን ዘስዕቦ ዘሎ ሓደጋ ሕይወት ጽባሕ ክርጋገጽ ዝድለ ዕርቅን ሰላምን ከተዓናቕፍ ዝኽእል ከምዝኾነን ሓቢሮም።

ናይ ማእከላይ ምብራቕ ሥነ ማኅበራውን ሥነ ፖሊቲካን ሥነ ኤኮኖምን ሊቃውንቲ ካልኦት ሃገራትን ተራ ሕዝብን እውን እንተኾነ ነቲ ሕዝባዊ ሰውራ ኣየት የዕራብ ሃገራት ብዝብል መለለዪ ብዓይኒ ተስፋ ኢዮም ዝርእይዎ ዘለዉ። ሕዝቢ ምዕራብ ሃገራት ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ሕዝባዊ ሰውራ ዘይተጸበዮ ብምዃኑ ብምግራም ኢዩ ዝርእዮን ዝከታተሎን ዘሎ። ሕዝቢ ዓረብ ሃገራት ኣብ ነጻነትን ዴሞክራስን እናዓበየን፣ ነጻነትን ዴሞክራስን ኣድላዪ ምዃኑ ዘለዎ እምነት ክብ ከምዘበለን፣ ብፍላይ ድማ ብዘይ ኣደ እታውነት ብገዛእ ርእሱ ከረጋግጾ ከምዘለዎ ኣዚዩ ከምዝተረደኦ ዘነጽር ኩነት ቢሉ ኢዩ ዝገልጾ፣ ብዙሓት ነዚ ሕዝባዊ ሰውራ ዘተኣታትዎ ዘሎ ለውጢ ከም ሥግኣት እናረኣዮ ንምክልኻል ከድህቡ ይረአዩ ኣለዉ። ኣቲ ክኸውን ዘለዎ ግን ነቲ ሕዝቢ ኣብቲ ዘሕልፎ ዘሎ ጽንኵር ኩነት ቀረባ ኮይንካ፣ ጭቡጥ ድጋፍ ንምቕራብ ድልዋት ምዃንን ተበግሶታት ምስላጥ ኢዩ። ስለምታይሲ ዝኾነ ይዅን ለውጢ ብጀካ እቲ ከዕትሮ ኢዩ ዝበሓል ሰናይ ተበጽሖ ውሻጣዊ ኮነ ባህርያዊ ሽግራት እውን ስለ ዘለዎ ኢዩ። ኣብዚ ድማ ካብቲ ቀድም ብዝያዳ ኣብ መንጎ ባህልታትን ሕዝብታትን ምሕዝነትን ዘተን ንምንቕቓሕን ምርግጋጽን የድሊ።

እቶም ናይተን ሃገራት ዓረብ መንሰያት ሕቶ ዝመልክትዎም ክልተ ኣገደስቲ ረቛሒታት ግምት ክወሃቦም ይግባእ እዚ ድማ ብዝተፈላለዩ ምኽንያት ናብ ኤውሮጳን ብዝወሓዘ ናይተን ሃገራት ስደተይና ዜጋታት መሠረት፣ እቲ ሕዝቢ ሃገራት ዓረብ ኣብ ልዕሊ ኤውሮጳ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ዴሞክራስን ነጻነትን ዘለዎ ግምት ኣወንታዊ ኮይኑ ኢዩ። በቲ እናተረጋገጸ ዘሎን ዝተራቀን ምዕባለ መራኸቢ ብዙሃን ብምጥቃም ድማ ፍልጠቱ ከዕብን ኣብ ዘተ ክኣምንን ክፍሊ ማኅበረሰብ ዓለም ምዃኖም ብቐረባ ንምርግጋጽ ተኻኢሉ ኢዩ።

ምእንቲ’ዚ ፍርሒ ዘይኮነስ ምሕዝነት ዘተባብዕ ሕዝባዊ ኵነት ኢዩ እንክብሉ ርዕሰ ዓንቀጽ ቅድስት መንበር ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.