2011-02-26 16:34:18

ኩነታት ሊብያ ይንህርን ይጽንክርን ከም ዘሎ ተይንገር አሎ ።
 


እቲ አብ ቱኒሲያ ዝተጀመረ ህዝባዊ ተቃውሞ ናብ ዝተፈላለያ ሀገራት ከም ዝተስፋፍሔ ክፍለጥ ከሎ ህዝብታት አዕራብ ሰብአውን ዲሞክራስያዊን መሰሎም

ክኸበረሎም አብ ቅርዓት ወጺኦም ይሐቱ ከም ዘለዉን ዝርኤ ዘሎ ጉዳይ ኮይኑ አሎ ።

ናይ ቱኒዚያ ህዝባዊ ናዕቢ እቶም ንንዊሕ ዓመታት ዝመርሑ ዝነበሩ በዓሊ ካብ ስልጣኖም ወሪዶም ክስደዱ ከም ዝገደዶም ይዝከር ።

አብዚ አብ ቱኒሲያ ንፖሊቲካውን ማሕበራውን ለውጢ ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቃውሞ ካብ 300 ሰባት ንላዕሊ ሕይወቶም ከም ዝስአኑን ብዙሐት ከም ዝቆሰሉን ይፍለጥ ።

ህብዚ ምስሪ ናይ ህዝቢ ቱኒሲያ አብነት ተኸቲሉ ንልዕሊ ሳላሳ ዓመታት አብ ኮረሻ ስልጣን ዝነብሩ ሁስኒ ሙባራክ ካብ ስልጣኖም ክወርዱ ከም ዘገደዶም ክዝከር ከሎ ፡ አብ የመን አብ ባህረይን አብ ጅቡቲን ካልኦት ሀገራትን ህዝቢ ነቶም ስልጣን ዝብሐቱ መራሕቱ ይቃወሞም ከም ዘሎ ይፍለጥ ።

ህዝባዊ ማዕበል ተቃውሞ ከም ዘይምሕሮም ዝርአዩ ስልጣን ዝመቀሮም ካብ ስልጣን ተፈልዮም ክነብሩ ከም ዘይክእሉ ዝሐስቡ ሕደ ሐደ መራሕቲ ፖሊቲካውን ማሕበራውን ተሐድሶ ክንገብር ኢና ክብሉ ይስምዑ ከም ዘለዉ አብ ቦትኡ ኮይኑ ፡ ሕጂ እዚ ተዋሞ ህዝቢ”ዚ አብ ሊብያ ከም ዝበጽሔ ይርኤ አሎ ።

ናይ መንግስቲ ልብያ መራሒ ኮለነል ሙዓመር ጋዳፊ ነ42 ዓማታት አብ ስልጣን ከም ዘለዉ ክዝከር ተዓዘብቲ ፖሊቲካ ከም ዘመልክትዎ እነሆ ህዝባዊ ተቃውሞ አርኪብዎም ብቀሊሉ ክወጽዎ አብ ዘይክእሉ ፖሊቲካዊ ሽግር አትዮም ሊብያ ክአ አብ ህውከት ትርከብ አላ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሙዓመር ጋዳፊ አብ ልዕሊ ዝቃወሞም ህዝቢ ብከቢድ አጽዋር ውግእ ክጥቃዕ ትእዛዝ ምስ ሀቡ ሰራዊት ሊብያ ንመንግስቲ ዝድግፍን አብ ጐድኒ ህዝቢ ክሰለፍ ዝመረጸን አብ ክልተ ይኽፈሉ ከም ዘለዉ መራኸቢ ብዙኀን አመልኪቶም።

ከምቲ አብ ዝሐለፈ መደብና ዘመልከትናዮ አብ ልዕሊ”ቲ አብ ከተማ በንጋዚ ንመንግስቲ ዝቃወም ህዝቢ ብናይ ኪናት ነፈርቲ ከጥቅዑ ዝተአዘዙ ክልተ መራሕቲ ነፈረቲ ኪናት ብምቃውም ምስ ነፈርቶም ደሴት ሞልታ ከም ዝአተዉን አብኡ ፖሊቲካዊ ዑቅባ ከም ዝሐተቱን ይዝከር ።

ካብቶም አብ ወጻኢ ሀገራት ዝርከቡ አምባሳደራት መንግስቲ ሊብያ 80% መንግስቶም አብ ልዒሊ ህዝቦም ዘርእዮ ዘሎ ጨካን ተግባር ብምቃውም ሙዓመር ጋዳፊ ካብ ስልጣኖም ክወርዱ ይሀቱ ከም ዘለዉ ይፍለጥ።

ይኹን እሞ እቶም ንሊብያ ነ42 ዓመታት ዝመርሑ ሙዓመር ጋዳፊ በትረ ስልጣን መንግስቶም ክቁጸ ምስ ደለየ ንህዝቢ ሊብያ ሰለስተ ግዜ ዲስኩር ከም ዝገበሩ ክፍለጥ ከሎ አብቲ ንመጀመርያ ግዜ ዝገብርዎ ዲስኩር ፡እቲ ንመንግስቶም ብምቅዋም አብ ቅርዓት ዝወጸ ህዝቢ መደንዘዚ ዕጸ ፋርስ ዝጥቀም ህዝቢ አናጹ ኢዮም ብማለት ቁጥዓ ዝሐዘሎ ዲስኩር ከም ዝገበሩ፡ ሊብያ አብ ኪናት ሕድሕድ ክትአቱ ከም ትክእል ፡

ፕረሲደንት ዘይኮንኩስ አቦ ሰውራ ሊብያ ስለዝኾንኩ ስልጣን ዘረክቦ ሰብ የብለይን ፡ ካብ ሀገረይ ክአ አይወጽእን ብማለት ዲስኩር ከም ዝገበሩ ክዝከር ከሎ አብቲ ካልአይ ግዜ ክአ መራኸቢ ብዙኀን ካብ ትሪፖሊ ከም ዘመልክትዎ

ካብቲ አብ ትሕቲ መሬት ዝርከብ ባብ አል ዓዚዚያ ዝብሃል ድፋዕ ብስልክ አብ ዝግበርዎ ዲስኩር እዚ አብ ሊብያ ዘሎ ፖሊቲካዊ ቅልውላው ተግባር ቢን ላደን ከም ዝኾነን ንህዝቢ ተቢዑ ክምክትን አተሐሳሲቦም።

ቢን ላደን ዝብሃሉ እቶም ነቲ አልቃዒዳ ዝብሃል መእተዊ ራዕዲ ጉጅለ ዝመርሑ ከም ዝኾኑ ይፍለጥ ።

አብ ሊብያ እቲ አብ ሞንጎ ሚሊሽያ ጋዳፍን ተቃወምትን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ንሂሩይቅጽል ከም ዘሎ ክምልከት ከሎ፡ አብ ምስራቃዊ ሊብያ ዝርከባ ከተማታት በንጋዚ ደርና ቶብሩቅ ከምኡ ክአ አብ ምዕራባዊ ትሪፖሊ 50 ኪሎሜትር ርሒቃ ትርከብ አል ዋዚያ አብ ትሕቲ ተቃወምቲ ከም ዝርከባ ተፈሊጡ አሎ።

አብ ትሪፖሊ ዝርከቡ ናይ ዜና ማዕከናት ከም ዘመልክትዎ ፡ ተቃውምቲ መንግስቲ ሙዓመር ጋዳፊ ርእሰ ከተማ ትሪፖሊ ንምጥቃዕ ይሰናደዉ አለዉ።

ሙዓመር ጋዳፊ ትማሊ ነቲ አብ ቅርዓት ቀጠልያ ንደገፍቶም ዲስኩር ከም ዝገበሩ ክምልከት ከሎ፡ ኖኣይ ዘይደሊ ህዝቢ ክነብር የብሉን ክቅተል አለዎ ክሳዕ መወዳእታ ክንዋጋእ ኢና አድላዪ እንተኾይኑ ክአ ጸረ ጸላእቲ ሚሳይል አጽዋር ውግእ ክንጥቀም ኢና ክብሉ ተሰሚዖም።

በቲ ሐደ ወገን ወዲ ሙዓመር ጋዳፊ ሰይፍ አል ኢስላም ምስቶም ጸረ መንግስቲ ዝውግኡ ዘለዉ ንሰላማዊ ዘተ ክካየድ ንጽዕር አለና ክብሉ ትማሊ አብ ትሪፖሊ መግለጺ ሂቦም ።



ሰራዊት መንግስቲ ሊብያ ብጀኻ ርእሰ ከተማ ትሪፖሊ ካልኦት ዝቁጻጸረን ከተማታት ሊብያ ከም ዘየለዋ አብ ትሪፖሊ ናይ መወዳእታን ወሳንን ኵናት ክካየድ ከም ዝኽእል ይምልከት ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ጸጥታ ቤት ምኽሪ ባይቶ ሕቡራት ሀገራት መንግስቲ አመሪካን Nato ናይ ሰሜና አትላንቲክ ቃል ክዳን አብ ልዕሊ መንግስቲ ለብያ ማዕቀብ ክውሰን ወሲኖም ።

ህዝቢ ሊብያ አብ ልዕሊ ኮለነል ጋዳፊ እምነት ከም ዘይብሉ የርኢ ከም ዘሎ ጠቂሶም ፡ መንግስቲ አመሪካ ምስ ሊብያ ዝነበራ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ከም ዘቋረጸት ንጋዜጣኛታት መግለጺ ሂቦም አለዉ ።

68 ዕድመ ዘለዎም ነርባዓን ሕደን ዓመታት ንሊብያ ዝመርሑ ሙዓመር ጋዳፊ ዝሐለፈ ሰሙን አብቲ አብ ላንደን ዝርከብ Mayfair ዝተባህለ ማዕከን ወፍሪ ሰለስተ ሚልያርድን ሐሙሽተ ሚእቲ ሚልዮንን ዶላር ከም ዘቀመጡ the Times ዝተባህለ ዕለታዊ ጋዜጣ አመልኪቱ።

ሎሚ ንግሆ ክሳዕ ድሕሪ ቀትሪ ርእሰ ከተማ ትሪፖሊ ሀዲአ ከም ዝውዓለት ክምልከት ከሎ እቶም አብ ሊብያ ዝነብሩ ዝነበሩ ብዓሰርተ አሽሐት ዝቁጸሩ ናይ ወጻኢ ሀገራት ዜጋታት ካብ ሊብያ ይወጹ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ አሎ።










All the contents on this site are copyrighted ©.