2011-02-25 14:58:07

ጳጳሳዊ ናይ ሕይወት ተቛም ዝጠለቦ ዓውደ መጽናዕቲ


ካብ ሎሚ ዕለት 24 ለካቲት ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 26 ለካቲት 2011 ዓ.ም. ዝቕጽል ጽንሲ ምንጻል ዘስዕቦ ስነ ኣዕምሮኣውን ኣካላውን ጸቕጥን ምልክታ ሕማምን ብዛዕባ መቐመጢ/ባንኪ ቤት ዕትብቲ ርእሰ ጉዳይ ዝዝቲ ጳጳሳዊ ናይ ሕይወት ተቛም ዝጠለቦ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ቫቲካን ናይ ሲኖዶስ ኣዳራሽ ይካየድ ከምዘሎ ተሓቢሩ።
እዚ መበል 17 ጠቅላሊ ጉባኤ ዘረባ ብምስማዕ ዘጀመሩ ጳጳሳዊ ናይ ሕይወት ተቛም ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ኢግናሲዮ ካራስኮ ደ ፓውላ ከምዝኾኑ እንክፍለጥ፣ ብፁዕነቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ጳጳሳዊ ናይ ሕይወት ተቛም ብዛዕባ ሳዕቤናት ጽንሲ ምንጻልን ከምኡ እውን ብዛዕባ ባንኪ ቤት ዕትብቲ ፍሉዩ መጽናዕቲ ክገብሩ ዝተመዙ ክልተ ጉጅለ ሊቃውንቲ ናይቲ ዘካይድዎ መጽናዕቲ ጸብጻብ ዘቕርብሉን ኣብቲ ዘቕረብዎ ጸብጻብ ዝተደገፈ ዝርርብ ዝግበርሉ ዓውደ መጽናዕቲ ኢዩ ኢሎም።
ብዛዕባ ጽንሲ ምንጻልን ዘኸትሎም ኣካላውን ሥነ ኣዕምሮኣውን ሕማማትን ጸቕጥን ኮታ ኵለ መዳያዊ ጠንቅታቱን ከምኡ እውን ብዛዕባ እቲ ብዙሕ ዘይንገረሉ እዚ ድማ ንመጻኢ ንናይ ዓንዲ መሠረት ኣካላዊ (ዓንዲ መዋቕር) ዋኅዩ ፍወሳ ንዝብል ናይ ሥነ ሕክምና ምርምር ክብጽሑ ዝብሎም ትጽቢት ዝተነብርሉ ሸቶ ንምዕታር ዝድግፍ ከይዲ ሥነ ምርምር ሕክምና ዝዝቲ ዓውደ መጽናዕቲ ምዃኑ ኣረዲኦም፣ ናይ ዕትብቲን መዳሕንትን ደም፣ ዓንዲ መሠረት(መዋቕራዊ) ኣካላዊ ዋኅዩ ዝሓዘለ እውን ኢዩ፣ እዚ ድማ ንዝተፈላለዩ ገና ምድሃኒት ንዘይተረኸበሎም ቀጻሊ-ሕማማት ንምፍዋስ ዝግበር ጻዕሪ ዓቢ ደገፍ ክኸውን ተስፋ ተነቢሩሉ እኳ እንተሃለው ኣብዚ ዝቖመ እሞ ንመኽሰብ ዕዳጋ ንዝኣመተ ዕላማ መሳለጢ ጥራሕ ከይከውን የሥግእ።
ስለዚህ ዓንዲ መሠረት (መዋቕር) ኣካላዊ ዋኅዩ ንውልቃውን ሕዝባውን ጥቕሚ ክውዕል እዚ ማለት ድማ፣ ገለ ገለ ንውልቃዊ ክንክን ጥዕናኦም ብኻልእ መዳይ ድማ ንናይ ሕዝባዊ ጥቕሚ ክውዕል ብዝብዕ ድላይ ተደሪኾም፣ ባንኪ ቤት ዕትብቲ ዝድግፉ ኣለዉ። እዚ ድማ ብቐጥታ ምስ ሥነ ምግባር ዝተተሓዘ ሕቶ ከምዝኾነ ኣረዲኦም፣ ቀጺሎም ዓለም ሓቆፍ ማኅበር ሓለዋ ጥዕና ዝሃቦ ጸብጻብ ኣደጊፎም ኣብ ዓመት ብጠቕላላ ልዕሊ 42 ሚሊዮን ምንጻል ጽንሲ ከምዝፍጸምን ኣዘኻኺሮም፣ እቲ ዓወደ መጽናዕቲ ኣብ ገዛእ ጽንሲ ምንጻል ባዕላዊ ርእሰ ጉዳይ ዝዝቲ ኣይኮነን ምኽንያቱ ቅድም ክብል ዝተገብረ መጽናዕቲ ስለ ዝኾነ ኢዩ። ኣብዚ ዓወደ መጽናዕቲ ብፍላያ ኣዕምሮኣውን ኣካላውን ጠንቅታት ጽንሲ ምንጻል እዚ ድማ ኩነት ድኅረ ምንጻል ጽንሲ ዝምልከትን፣ ግብረ ጽንሲ ምንጻል ዘይኮነስ ኣብ ሰብ ዝግደስ ኢዩ። እቲ ጽንሲ ንምንጻል ምርጫ ዘዘንብል ሰብ ኣማእኪሉ ዝመያየጥ ኢዩ። እታ ጽንሲ ንምንጻል እተዘንብል ጓለኣንስተይትን ሥድራ ቤትን ነዚ ምርጫ እዚ ዝድርኾም ምኽንያት እንታይነቱን መንቀሊኡን መሠረቱን ዝምልከት እውን ኢዩ ኢሎም።
ኣብ መደምደምታ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ጳጳሳዊ ናይ ሕይወት ተቋም ኣብ ኣገልግሎት ኅልውና ሰብን ኣናሥር ሕይወትን ንሱ ድማ ክርስቶስ ምዃኑ ብዝተፈላለየ መገዲ ዘነጽርን፣ መገዲ ሕይወትን ሓቂ ሕይወትን መገድን ሓቅን ድማ ንሱ ኢዩ ስለዚህ እዚ ተቛም ነዚ ዘነጽር እምበር ፖሊቲካዊ ክልሰ ሓሳብ ዘጉልሕ ኣይኮነን እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.