2011-02-22 14:30:14

ውሳኔ ቅዱስ ኣቦና፦ ንሰለስተ ብፁዓን ቅድስና ክእወጅ


ቅዱስ ኣቦና ናይ ዝሥዋዕ ፍቕርን ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብነት ቢሎም ንዝገለጽዎን ሰለስተ ደቂ ቤተ ክርስትያን ኢጣሊያዊ ብፁዕ ኣቡነ ብፁዕ ጉይዶ ማሪያ ኮንፎርቲ ናይ ሳቨሪያኒ ማኅበረ ልኡካነ ወንጌል መሥራትን፣ ተወላዲት ስፐይን እናቴ ብፅዕት ቦኒፋሲያ ሮድሪጒዝ ደ ካስትሮን ኢጣሊያዊ ካህን ብፁዕ ልዊጂ ጓነላ ዕለት 23 ጥቅምቲ 2011 ዓ.ም. ብእንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ቅድስና RealAudioMP3 ክእወጀሎም ዝብል ናይ ውሳኔ ሰነድ ከምዝመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

መዝሙረ ዳዊት ምዕራፍ 71 “ኦ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ካብ ንእስነተይ ጀሚርካ ተስፋይን እምንቶይን ንስኻ ኢኻ። ምሉእ ሕይወተይ ብኣኻ ተደገፍኩ። ካብታ ዝተወለድኩላ መዓልቲ ጀሚርካ ዝሓለኻኒ ንስኻ ኢኻ። ኣነ ኩሉ ጊዜ ከመስግነካ ኢየ።” ዝብል ኣብ ናይ ትማሊ ጸሎት ጊዜ ሰለስቱ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ብፁዓን ካርዲናላት ብሓባር ኣብ ዝደገምዎ ጸሎት ፍጻሜ ብፁዕ ኮንፎርቲ፣ ብፁዕ ጓነላን ብፅዕት ሮድርጒዝ ደ ካስትሮ ቅድስና ክእወጀሎም ዝብል ናይ ፍጻሜ ሰነድ ከምዝኣወጁ ዝሃብዎ ሓበሬታ ዝጠቀሰ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብ ስፐይን ሳላማንካ ኣብ 1837 ዓ.ም. ዝተወልደት ኣብ ዝተፈላለየ ሞያ ብፍላይ ድማ ኣብ ናይ ጉልበት ሥራሕ ተዋፊረን ዕለታዊ ናብራኢን ብጽንኩር ኩነት ንዝመርሓ መንፈሳውን ሰብኣውን ደገፍ ንምቕራብ ብዝብል መንፍሳዊ ጸጋ እናቴ ብፅዕት ቦኒፋሲያ ሮድሪጒዝ ደ ካስትሮ ልኡካን ኣገልገልቲ ቅዱስ ዮሴፍ ማኅበር ደናግል መሥራቲት፣ ገና እቲ ማኅበር ንከቑማ ኣብ ዝተበገሳሉ እዋን ብዙሕ ተቓውሞ እውን እንተቐረበን ብጽሞና ኣቲ መንፈሳዊ ድላይ ንኽርስቶስ ኣወኪፋ ከተብቕዕ ኣብ ልዕሌኣ ዝፍነው ዝነበረ ግብረ ምጽላም ሥም ካብዚ ዓለም ብ1905 ዓ.ም. ብሞት ምስተፈለየት ብመሠረት ሓቀይና ታሪኽ መንፈሳዊ ገድላ ፈሺሉን፣ ቅድስናኣ ደሚቑን ኣብ ኩሉ ክስማዕን እቲ ኣብ ልዕሌኣ ዝፍጸም ዝነበረ ናይ ምክፋእን ምጽላም ሥም ተግባር ኵሉ ቅንኢ ዘንቀሎ ሓሶት ከምዝኾነ ከምእተረጋገጸ ክምልከት እንከሎ፣ ኢጣሊያዊ ካህን ብፁዕ ልዊጂ ጓኔላ (1842 -1915) ኣብ ኢጣሊያ ናይ ዝሥዋዕ ፍቕሪ ቅዱስ ተባሂሉ ዝንገረሉን ምሉእ ሕይወቱ ነቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከቡን ኣካለ ስንኵላን መንፈሳውን ሰብኣውን ኣገልግሎት ብምቕራብ ኵሉ ድኻ ይዅን ኣካለ ስንኩል ኣብ ኅብረተሰብ ናቱ ተራ ከምዘለዎን ተነጺሉ ከይነብር መታን ክርስቶሳዊ ፍቕሪ ዝመስከረ ወዲ ቤተ ክርስትያን ምዃኑ ዝንገረሉን ማኅበር ኣገልገልቲ ናይ ዝሥዋዕ ፍቕሪ መሥሪቱን ብዝሥዋዕ ፍቕሪ ዘቕርቦ ብዝነበረ መንፈሳውን ሰብኣውን ኣገልግሎት ድማ ኅያዋይ ሳምራዊ ዝብል መጸውዒ ከምእተውሃቦ ይንገር።

ኢጣሊያዊ ካህን ብፁዕ ጉይዶ ማሪያ ኮንፎርቲ (1865 - 1931) ንኣስፍሆተ ወንጌል ቀናእን ከምቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ወንጌል ድኅነት ንኸበሥሩ ናብ ዓለም ኵሉ ኩዱ እንክብል ነዘቕረበሎን ጻውዒት ናቱ ገይሩ ገና ኣብ 37 ዓመት ዝዕድሜኡ ናይ ራቬና ሊቀ ጳጳስ ክኸውን ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ከምዝሓረየቶን፣ ነቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ሰበኻኦም ኣቡናት ጥራሕ ዘይኮኑስ ቅብኣተ ጵጵስናኦም ንመላእ ዓለም እውን ከምዝኾነን ኣብ ሰበኻ ዝሕጸር ዘይኮነስ ኵላውነት ባህርይ ኣለዎ ዝብሎ መግለጺ ቅድም ክብል ብተነብዮ ዝነበሮ ከምዝኾነ ይንገር።








All the contents on this site are copyrighted ©.