2011-02-22 14:33:56

እንግልጣር፣ ጸሎት ምእንቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብፁዓን ጳጳሳትን


ሎሚ ዕለት 22 ለካቲት 2011 ዓ.ም. ናይ እንግልጣርን ወይለስን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ላቲን ሥርዓት ኣምልኾ ግጽዊ እትኸተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን እተብዕሎ ዓመታዊ በዓል ባሲሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ምኽንያት RealAudioMP3 ኣብ መላእ ሃገሮም ምእንቲ ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን መላእ ብፁዓን ጳጳሳትን ክጽለ ጻውዒት ከምዘቕረቡን፣ እዚ ጻውዒት ኣብ መላእ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን እንግልጣርን ወይለስን ከምእተኸብረ እውን ተገሊጹ።

እቲ ናይ እንግልጣርን ወይለስን ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌልን ትምርህተ ክርስቶስን ጉዳይ ዝሓሊ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ ካይራን ኮንርይ ክታም ዝተነብረሉ ጸሎት ምእንቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ብፁዓን ጳጳሳትን ዝዕድም መልእኽቲ ከምዘመልክቶ፣ ባሲሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይታ ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ርእሰ ሓዋርያት ዝተመሥረት ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እትምራሕ ቤተ ክርስትያን ናይ ውህደት ምልክት ምዃና ዘመልክት ዓቢይ በዓል ምዃኑ ዘነጽርን ምእንቲ እቶም ናይ ኣገልግሎት ኃላፍነት መርሕነቶም ካብ ክርስቶስ ዝተቐበሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ብጹዓን ጳጳሳት ክጽለ ዘተሓሳስብ ክኸውን እንከሎ ናይ ቤተ ክርስትያን ሥልጣናዊ ትምህርቲ ፈላላዪ ዘይኮነስ ናይቲ ቅዱስ ጴጥሮስን ሓዋርያትን ሓቂ እምነት ከስፍሑን ከነጽሩን ክትንትኑን ዝጸውዖም ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ። ስለዚህ ፍጥረት ሰብ ድምጺ ኅሊናኡ ዝጻረር ውሳኔ ምእንቲ ከይኽተል ዝመርሑን፣ ምስ ወንጌል ዘይሳነን ዝሳነን ተግባር ፈልዮም ዘረድኡን፣ ብቓልን ሕይወትን ናይ እምነት መምሃራን ስለ ዝኾነኑ ማኅበረ ክርስትያን ወትሩ ምእንታኦም ከይተሓለለ ክጽሊ እውን ሓደራ ዝብል መልእኽቲ ምዃኑ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.