2011-02-22 14:32:47

ኣይቨርይ ኮስት፣ መራሕቲ ሃይማኖት ምእንቲ ምርግጋእ


ነቲ ኣብ ኣይቨሪኮስት ድሕሪ ናይ ርእሰ ብሔር ሕዝባዊ ምርጫ ስዒቡ ዝተኣታተወ ፖሊቲካዊ፣ ማህበራዊ ቅልውላው ክውገድ ዝሽምግል ብናይ ሰነጋል ርእሰ ከተማ ዳካር ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ተኦዶሮ አድሪየን ሳር ዝተመርሔት ናይ መላእ RealAudioMP3 ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጉባኤ ብሓባር ናይ መላእ ኣፍሪቃ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ቤት ምኽርን ናይ ኣፍሪቃ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕቲ ቤት ምኽሪ ብሓባር ዝተመዘት ኮሚቴ ልኡካን ኣቢያተ ክርስትያን ካብ ዕለት 17 ለካቲት ክሳብ ዕለት 19 ለካቲት 2011 ዓ.ም. ኣብ ኣይቨሪኮስት ምብጻሕ ከምዘካየደት ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እታ ኮሚቴ ልኡካን ኣቢያተ ክርስትያን ምስቶም ኣብ ኣይቨሪኮስት ኣብ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ተወዳደርቲ ናይ ርእሰ ብሔር ኃላፍነት ገደብ ተልእኾኦም ዘብቅዔ ርእሰ ብሔር ላውረንት ግባግቦን ናይ ተቓዋሚ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ መራሒ አላሳነ ኡታራ ድሕሪ ቆጸራ ድምጺ ሕዝቢ በቢ ወገኖም ዝሃብዎ ናይ ስዒረ መግለጺ ዝተኣታተዎ ሁከት ክውገድ ምስ ክልቲኦም ተወዳደርቲ ከምእተራኸቡን ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ዘይምርድዳእ ብዘተ ክፈትሕዎ ሓደራ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።

እታ ኣፍሪቃዊት ኮሚቴ ኣቢያተ ክርስትያን ሕዝቢ ኣይቨሪ ኮስት እቶም ተወዳደርቲ ብዘይ ምርድዳእ ኣብ መንጎኦም ተፈጢሩ ንዘሎ ውጥረት መጋበርያ ከይከውን ክጥንቐቕን ብፍላይ ድማ ምእመናን ኵለን ሃይማኖት ምእንቲ ሰላምን ስኒት ሃገር ክጽልዩ ከምዘተሓሳሰበትን፣ ሕቡራት መንግሥታት ዓለምን ኅብረት ኣፍሪቃን ናይ ምዕራብ ኣፍሪቃ ናይ ኤኮኖሚ ማኅበረሰብ ነቲ ኣብ ኣይቨሪ ኮስት ተኸሲቱ ዘሎ ዘይምርግጋእ ሰላማዊ መፍትሒ ክርከበሉ ከይተሓለሉ ክዓዩ ሓደራ ከምዘብለት ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.