2011-02-19 13:56:56

ካብ ኣሎ ዝበሃል ፍትሒ ደቂ ሰባት ፍቅሪ እግዚአብሔር ኣዚዩ ይበልጽ፣ ክንዮኡ እውን ኢዩ!


ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ናይ መልአከ እግዚአብሔር ጉባኤ ኣስተምህሮ: ሕጊ ፍትሕን ፍቅርን ፍልልዩ ከም ሰማይን ምድርን ከምዝኾነ፣ ነቲ እግዚአብሔር ኣብ ደብረ ሲና ንሕዝቢ እስራኤል ከም ደረጃ ርድኢቶምን ኩነቶምን ከካይዶም ዝሃቦም ትእዛዛት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብሓዲስ ሕጊ ፍቅሪ ‘ንሕጊ ዀነ ወይስ ንነብያት ክፍጽምዎ እምበር፡ ክስዕሮም ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም። ሰማይን ምድርን ክሳዕ ዚሐልፍ፡ ኲሉ ኽሳዕ ዚፍጸም፡ ካብ ሕግስ የውጣ ወይስ ሓንቲ ሕንጣጥ ከም ዘይትሐልፍ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። እምበኣርሲ ኻብዘን ናእሽቱ ትእዛዛት ሓንቲ ዝሰዐረ፡ ከምኡውን ንሰብ ዝመሀረ፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ንእሽቶ ኺበሀል እዩ። እናገበረ ዚምህር ግና፡ ንሱ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዓብዪ ኺበሀል እዩ።’ እናበለ ከምዝሓደሶ ገሊጾም።
ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንተኸተልቱ ‘ጽድቅኹም ካብ ጽድቂ ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣዝዩ እንተ ዘይበዝሔ፡ ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኣይትኣትዉን ኢኹም፡ ኢለ እነግረኩም ኣሎኹ።’ ንዝብል እንክርትጉሙ ኸኣ እዚ ጽድቂ ዝበሃል ዘሎ ፍትሒ ምዃኑ ብምብራህ እቲ ናይ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ጽድቂ ወይ ፍትሒ ዝበሃል ኣፍአውን ፍቅሪ ዝጐደሎ ክኸውን ከምዝኽእልን ንከብርሁ ከኣ ‘ሕጊ ፍቅሪ ልዕሊ ፍትሒ ደቂ ሰባት ኢዩ’ እንክብሉ ብሕኸኸኒ ክሓከካ ግበረለይ ክገብረልካ ወይ ግበረለይ ወይ ንገረለይ ዝተጐብኤ ፍትሕና ጐደሎ ምዃኑ መረዳእታ ናይዚ ከኣ ኣብቶም ሥልጡናትን ሰብኣውያንን ክርስትያንን ዝበሃላ ዓድታት ዕለት ዕለት ብሸለልትነት ደቂ ሰባት ኣብ ዝኸምኦም ደቂ ሰባት ዝወርድ ዘስካሕካሕ ግህሰት ሰብአዊ መሰላት ብምጥቃስ ሕልና ንዘለዎ ኩሉ ዘስቈርቍር ብርቱዕ ጻውዒት ኣቅሪቦም።

እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝአወጆ ሓዲስ ፍትሒ መንገዲ ምሕረትን ፍቅርን ምዃኑ እቲ ሡር ኃጢኣት ከኣ ካብ ኅልና ከምዝኾነ ከምዚ ክብሉ ገሊጾሞ። ‘ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ፍጻሜ እዚ በቲ ኣከታቲሉ ዘቅርቦ ንጽጽር ናይ ኦሪት ትእዛዛትን ንሱ ዘቅርቦ ሓዲስ ትእዛዝን ይገልጾ። ኣብ ወንጌል ማቴዎስ 5፣21 ጀሚሩ ነፍሲ ወከፍ ሓዲስ ሓሳብ ክጅምር ከሎ ንቀዳሞት ከምዚ ኣይትግበር ከምዝተባህለ ሰሚዕኩም ኣነ ግን ከምዚ እብለኩም ኣሎኹ እንክብል በቲ እውነተኛ ቃሉ ምሂሩ፣ ንኣብነት ‘ነቶም ቀዳሞት፡ እቲ ዝቐተለ ኺፍረዶ እዩ እሞ፡ ኣይትቕተል፡ ከም እተባህለሎም ሰሚዕኩም ኣሎኹም። ኣነ ግና፡ ንሓው ዚቚጥዖ ዘበለ ዂሉ ኺፍረዶ እዩ፡ ንሓው፡ ኣታ ተኸዳን ጨርቂ፡ ዚብሎ ድማ ኣብ መጋባእያ ኺፍረዶ፡ ኣቲ ዓሻ፡ ዚብሎውን ንገሃነም ሓዊ ኺፍረዶ እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ።’ ብኸምዚ ዓይነት ኣዘራርባ ሽድሽተ ግዜ ይደጋግም። እዚ ነቲ ዝሰምዕ ተገራጫዊ ኮይኑ ክርአዮ ይኽእል፣ ኢየሱስ ግን ናይቲ ኣብ ደብረሲና ንሕዝበ እስራኤል ዝተዛረበ ምንጪ ፍትሕን ፍቅርን ዝኾነ እግዚአብሔር ሕያው ቃል ብምዃን በቲ ኣባኡ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ሓይሊ ኣሓዲስዎ፣ ንሕና ንሰማይ ክንድይብ ካብ ሰማይ ወሪዱ። በቲ ኣባኡ ዘሎና እምነት ከኣ ነቲ መለኮታዊ ፍቅሪ ንምቅባል ዘኽእለና ናይ መንፈስ ቅድስ ተሓድሶ ክንረክብ እሞ ነቲ መለኮታዊ ፍቅሪ ከነስተማቅሮ ልብና ክንከፍት ንጽዋዕ፣ በዚኸስ ክርስቶስ ንኩሉ ብሓንቲ ቃል ጠሚርዎ ፍቅሪ፣ ፍቅሪ ብፍቅሩ ፍቅሪ እግዚአብሔርን ፍቅሪ ብጻይን፣ እዚ ከኣ ኢዩ ብሂል ናይ ቅዱስ ጳውሎስ መደምደምታ ሕጊ ፍቅሪ እያ፣ ካብ ኣሎ ዝበሃል ፍትሒ ደቂ ሰባት ፍቅሪ እግዚአብሔር ኣዚዩ ይበልጽ፣ ክንዮኡ እውን ኢዩ እንክብሉ ኣዘኻኺሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.