2011-02-12 13:10:18

መግለጺ ሓዋርያዊ ቤት ጽሕፈት ግጽዊ


ብዛዕባ ካህናትን ገደማውያንን ብዝሒ ኣብ 2009 ዓ.ም. ዓመታዊ ጸብጻብ ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ግጽዊ ቤት ጽሕፈት ዘውጽኦ ናይ መጽናዕቲ ሰነድ ከምዘመልክቶ፣ ንማዕረገ ክህነት RealAudioMP3 ዝበቕዑ ብዝሕን ናይ ክህነት ማዕርግ ዝተቐብሉ ቁጽሮም ክብ እናበለ ይኸይድ ከምዘሎን ከመልክት እንከሎ በንጻሩ ድማ ናይ ክህነት ሕይወት ሓዲጎም ናብ ዓለማዊ ሕይወት ዝምለሱስ ብዕድመን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብዚ ዓለም ብሞት ዝፈልዩ ብዝሒ ካህናት ክብ ከምዝበለን የረጋገጽ። እቲ ኣብ 2009 ዓ.ም. ዘተኮረ ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ግጽዊ ሓዋርያዊ ቤት ጽሕፈት ዘቕረቦ ናይ መጽናዕቲ ሰነድ፣ ብቤት ማኅተም ቫቲካን ተሓቲሙ ኣብ ቀረባ እዋን ንንባብ ከምዝበቕዕ እውን ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።

ብዝሒ ማዕረገ ክህነት ዝተቐበሉ ብ 1.4% ክብ ክብል እንከሎ፣ ናይ ክህነት ሕይወት ጸዋዕቶኦም ሓዲጎም ናይ ሕይወት ዓለማዊ ዝምለሱ ብዝሖም 4 ካብ ሺሕ ከምዝኾኑን፣ እዚ ድማ ምስ ዝሓለፉ ዓመታት ክነጻጸር እንከሎ፣ ክብ እናበለ ይኽይድ ከምዘሎን ብሓፈሻዊ ገምጋም ድማ 809 ጥሙር ውኅደት ምዃኑን፣ ኣብ 2009 ዓ.ም. ኣብ ዓለም ብዝሒ ካህናት 410 ሽሕን፣ 275 ሽሕ ናይ ሰበኻ ካህናት ክኾኑ እንከለዉ፣ 135 ሽሕ ድማ ገዳማውያን ካህናትን 10 ዓመት ቅድሚ 2009 ዓ.ም. ብዝሒ ካህናት ኣብ ዓለም 405 ሽሕ ከምዝነበረን፣ ካብዚኣቶም እቶም 265 ሽሕ ናይ ሰበኻ ካህናት፣ 140 ሽሕ ገዳማውያን ካህናት ከምዝነበሩ ዓመታዊ ጸብጻብ ሓዋርያዊ ቤት ጽሕፈት ግጽዊ ዘውጽኦ ናይ መጽናዕቲ ሰነድ የመልክት።

ብመልክዓ ምድሪ መሠረት ክርኤ ኣንከሎ፣ ብዝሒ ናይ ሰበኻን ገዳማውያን ካህናት ኣብ ኣፍሪቃን እስያን ናይ ሰበኻ ካይህናት ድማ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ክብ እናበለ ይኸይድ ከምዘሎን፣ ኣብ ሰሜን ኣመሪካን ኤወሮጳን ኦቺያንያን ብዙሕ ካህናት ከምዝጎደለን፣ ብዙሒ ዓለማውያን ምእመናን ኣብ ኣፍሪቃን እስያን ላቲን ኣሜሪካን ክብ እናበለ እንክኸይድ ኣብ ሰሜን ኣመሪካን ኤውሮጳን ግን እናወሓደ ይኸይድ ከምዘሎ እቲ ናይ መጽናዕቲ ሰነድ ይሕብር።

ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ብዝሒ ካህናት ምስቲ ብዝሒ መንሰያት ካህናት ክነጻጸር እንከሎ ኣቶም ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ካብዚ ዓለም ብሞት ዝፈለዩ ክብ ዝብለ ከምዝኾነ ናይ ቤተክርስቲያን ናይ ግጽዊ ቤት ጽሕፈት መግለጺ የረጋግጽ።








All the contents on this site are copyrighted ©.