2011-02-08 13:55:16

ኒካራጉዋ፣ ምርጫ ርእሰ ብሔር


ናይ ኒካራጉዋ ቅዋም ሃገር ከምዘመልክቶ፣ ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ኮይኖም ዝተመርጹ ዓመታት ናይ ምዝነት ኣገልግሎቶም ዘጠናቐቑ ዜጋ ዳግም ርእሰ ብሔር ንምዃን ኣብ ዝካየድ ምርጫ ሕጹይ ኮይኖም RealAudioMP3 ክቐርቡ ኣይፍቐድን ዝብል ሓሳብ ዘስፈረ ኣዛዚ ዓንቀጽ ከምዘሎ ናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብምጥቃስ፣ እቶም ርእሰ ብሔር ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለዉን ናይ ተልእኾ ዘመኖም ዘብቕዕ ዘሎ ርእሰ ብሔር ዳኒኤል ኦርተጋ ዳግም ሕጹይ ተመራጺ ኮይኖም ክቐርቡ ኣኽባሪ ሕገ መግንሥቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዘቕረቦ ውሳኔ ንሃገራዊ ቅዋም ዝቓወም ኢዩ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ናይ ከተማ ማናጉዋ ተሓባሪ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሲልቪዮ ኾሰ ባኤዝ ኦርተጋ ምስ ቅዋም ሃገር ዘይሰምማዕ ውሳኔ ምጽዳቕ ፖሊቲካውን ማኅበራውን ሽግርን ውጥረትን ከስዕብ ከምዝኽእል ፍሉጥ ኢዩ። ስለዚህ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኒካራጉዋ ናይ ዝኾነ ይኹን ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ደጋፊት ዘይኮነት፣ ቅዋም ሃገር ምእንቲ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ክኸበር ከምዘልዎ ኢያ ተተሓሳስብ። ቤተ ክርስትያን ከም ናይ ፖለቲካ ጉጅለ ኮይና እትጣበቐሉ ጉዳይ እውን ኣይኮነን፣ ናይ ሕዝቢ ኅሊና ተነቓቕሕ ሕዝቢ ሰላማዊ መጋበርያታት ተጠቂሙ ቅዋም ሃገር ክኽበር ጻውዒት ምቕራብ ናቱ ተራ ከምዝኾነ ኢያ ተመልክት ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት እንክሕብር፣ ናይ ግራናዳ ልሒቅ ጳጳስ፣ ብፁዕ ኣቡነ በርናርዶ ሆምባኽ እቲ ዘሥግእ ርእሰ ብሔር ዳኒኤል ኦርቴጋ ዳግም ንምርጫ ምቕራብ ዘይኮነስ እቲ እናተስፋሕፍሔን ቅቡል ኣናኾነ ዝኸይድ ዘሎ ሕገ መንግሥት ዘይምኽባር ጠባይ ኢዩ ከምዝበሉ እንክንገር፣ ናይታ ሃገር ነቲ ኣብ መርሕነት ዘሎ ናይ ብዙሃን ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ዝቃወም ኣብ 2011 ዓ.ም. ሕዳር ንዝካየድ ናይ ርእሰ ብሔር ምርጫ ዓለም ሓቆፍ ጉጅለ ተዓዘብቲ ብቐረባ ኮይኖም ክከታተልዎ ድሮ ጻውዒት የቕርብ ከምዘሎ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.