2011-02-08 13:52:49

ምእንቲ ውህደት ኣቢያተ ክርስያን፣ ሓደ ክኽወን


ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ኣብ ከተማ ካንሳስ ካብ ዕለት 25 ለካቲት ክሳብ ዕለት 26 ለካቲት 2011 ዓ.ም. ሓደ ንምዃን ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ኣብ መንጎ ምእመናን ኤጶስቆጶሳዊት ቤተ ክርስትያንን ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ንሓደነት ዘምርሕ RealAudioMP3 ናይ ሓባር ዘተ ክካይድ ምዃኑ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ትማሊ ሕትመቱ ኣብ 2002 ዓ.ም. ኣብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ምሥጢረ ጥምቀት ተቐቢሎምን ቀጺሎም ምሥጢረ ክህነት ዝተቐበሉ ናይታ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ኤጶስቆጶሳዊት ቤተ ክርስትያን ነበር መጋቢ ኣባ ኤርነይ ዳቪስ ዝሃብዎ ሓበሬታ ጠቂሱ ከምዘመልከተ ክፍለጥ እንከሎ፣ እዚ ዕለት 25 ለካቲት 2011 ዓ.ም. ብናይ ሓባር ጸሎት ተሰንዩ ኣብ ቁምስና ቅድስቲ ተረዛ ዝካየድ ምዃኑ እንክፍለጥ፣ ክልትኤን ኣቢያተ ክርስትያን ምስ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ክሓብሩ ዝብል ድላይ ከምዘለዎምን ነዚ ናይ ሓባር ድላይ መሠረት ገይሮም ዘካይድዎ ናይ ሓባር ዘተ ምዃኑ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እንከመልክት፣ ነቶም ካብ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ናብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ንኽጽንበሩ ዘቕርብዎ ሕቶ ዝምርምርን ዝከታተልን ናብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ክምልሱ ዝሓቱ ዝመሓደርሉን ናይ ክርስትያን ሓድነት ዘተባብዕ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 4 ሕዳር 2009 ዓ.ም. ዘጽደቕዎ ጳጳሳዊ መምርሒ መሠረት ገይሮም ኣባ ዳቪስ ኣብቲ ኣብ ካንሳስ ከተማ ኣብ ዝካይድ ናይ ሓባር ዘተ ተረኺቦም ሰፊሕ መግለጽን መረዳትእታን ክህብሉ ምዃኖም ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.