2011-02-08 13:50:31

ህንዲ፦ ጸጥታን ደኅንነትን ማኅበረ ክርስትያን


ኣብ ህንዲ ግዛኣት ማድህያ ፕራደሽ ብምኽንያት በቲ ካብ ዕለት 10 ለካቲት ክሳብ ዕለት 12 ለካቲት 2011 ዓ.ም. ዝፍጸም ናይ ሂንዱ በዓል መለኮታውነት ናርማዳ በዓል ምኽንያት ልዕሊ ክልተ ሚሊዮን ዝግመቱ ሰዓብቲ ሂንዱ ሃይማኖት ዝሳተፍሉ መንፈሳዊ ንግደት ብዙሓት ኣኽረርቲ ምእመናን RealAudioMP3 ናይ ሂንዱ ሃይማኖት ዝሳተፈሉ እውን ብምዃኑ፣ እቲ ብተደጋጋሚ በቶም ኣኽረርቲ ምእመናን ሂንዱ ኣብ ልዕሊ ማኅበረ ክርስትያንን ሰዓብንቲ ሃይማኖት ምስልምናን ዝፍጸም ዓመጽ ዳግም ከይክሰት ናይቲ ከባቢ ማኅበረ ክርስትያን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ጸጥታን ደህንነት ውሑስ ክኸውን ንናይቲ ግዝኣት መንግሥቲ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ክንገር እንከሎ፣ እቲ ዓቢይ መንፈሳዊ በዓል ከምቲ ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ምእመናን ዓመጽ ዘነቓቕሕ ኮይኑን ናይ ሞትን ስደትን መቝሰልትን ሓደጋ ከየስዕብ እውን ናይቲ ከባቢ ሓይሊ ጸጥታ ብዓንተውኡ ናይቲ ከባቢ ጸጥታን ደህንነት ንምርግጋጽ ክተግሁ ናይቲ ከባቢ ማኅበረ ክርስትያን ጻውዒት ከምዘቕረበ ናይ ማድህያ ፕራደሽ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጃባልፑር ገራልድ አማይዳ ሓቢሮም፣ እቲ ዝቐረበ ጻውዒት እወታዊ መልሲ ክረክብ ተስፋ እግበር ቢሎም፣ ኣብቲ ከባቢ ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ ማኅበረ ክርስትያን መጥቃዕቲ ከምዝፍጸምን ድማ ሓቢሮም ናይቲ ከባቢ መንግሥቲ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ጸጥታን ደህንነትን ውሑስ ክገብር ከምዘተሓሳሰቡ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.