2011-02-05 14:33:33

ንኻልእ ዝቕበልን ብእወታዊ ዝጥምት ባህሊ ንምርግጋጽ


ትማሊ ናይ ካቶሊክ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማኅበረሰብ ዝተመሥረተሉ መበል 43 ዓመት ከምዘብዓለ እንክንገር፣ በዚ በዓል ምሥረታ ምኽንያት ሮማ ፎሪ ለ ሙራ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ጳውሎስ ባሲሊክ ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝከታተል ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ ዝመርሕዎን ዝተፈላለዩ ናይ RealAudioMP3 ቤተ ክርስትያንን ናይ መንግሥትን ላዕለዎት ኣካላት ዝተሳተፍሉ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከምዝቐረበ ክንገር እንከሎ፣ ብፁዕ ካርዲናል ራቫዚ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ ኣብቲ ካልእ ካባኻ ብዅለ ናይ ኣጋጣሚ ምዃናዊ መዳይ ዝተፈልየ እንተኾነ ግን ሰብ ከማኻ ዝኾነ ተመሳሳሊኻ ሕውነታዊ መልክዕን ገጽ ክርስቶስን ከተለልይ ዘኽእለካ ዓሚዩቕ ሥነ ምዃናዊ ናይ ሓባር ረቛሒ ዝጥምት ባህሊ ምንቕቓሕ ናይ ማኅበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ መሠረታዊ ዓላማ ምዃኑ ከምዘዘኻከሩ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

እዚ ካብ ዝምሥረት 43 ዓመቱ ዘብዕል ዘሎ ማኅበረሰብ ኣብ 73 ሓገራት ኅላዌነቱ ዘረጋገጸን ልዕሊ 60 ሺሕ ወለንተይና ኣባላት ከምዘለውዎን ናይ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማኅበረሰብ ሊቀ መንበር ማርኮ ኢምፓሊያዞ በዚ በዓለ ምሥረታ ምኽንያት ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ገሊጾም። ባህላውን ሥነ ኣመለኻኽታን ሃይማኖታውን ፍልልይ ንናይ ሓባር ዘተ መሠረት እምበር ናብ ግጭትን ተጻባእነትን ዝድርኽ ኣይኮነን ኣብ ዝብል ልዑል መርገጺ ተኣሚኑ፣ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ንኣብነት ኣብ ናይጀሪያ ጊኒን ዝነበሩ ምስሕሓባትን ግጭትን ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ ከምዝገበረን፣ ክንፈግ ዘይግብኦ ናይ ወዲ ሰብ መሠረታዊ መሰል ክንክን ጥዕና ክረጋገጽን ክኽበርን ናይ ሕፃናት መሰልን ፍቓድን ክረጋገጽ ኣብ ዝብሉ መደባት ዓቢ ውጽኢት ከምዘዕተረን፣ ልዑላውነት ሕጊ ክረጋገጽ እውን ከይተሓለለ ከምዝንቀሳቐስን እንከመልክቱ፣ ናይዚ ማኅበር ወሃቢ ቓል ማሪዮ ማራዚቲ ብወገኖም ኣብ ዝኾነ ይዅን ሃገር ኣብ ናይ ገበነይናን መቕጽዒ ሕጊ ናይ ሞት ፍርዲ ዝፈቕድ ውሳኔ ክሕከኽን ኣብ መላእ ዓለም ናይ ሕይወት ባህል ክሰፍሕን፣ ናይ ሞት ባህሊ ክውገድን እዚ ማሕበር ብዘካይዶ ዘሎ ጎስጓስ ድሮ 109 ሓገራት ተቐቢለኖኦን ካብ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጋተን ናይ ሞት ፍርዲ ከምዝሓኸኻን ናይ ኤይድስ ሕሙማን ብፍላይ ድማ እቶም ኣብ ድኻታት ሃገራት ዝርከቡ ግቡእ ክንክን ጥዕና ክረኽቡ ከምዝዓይን ገሊጾም።

ኣብ መደብምደምታ ናይቲ ማኅበረሰብ ሊቀ መንበር ኢምፓሊያዞ 2011 ዓ.ም. ካልኦት እውን ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክቕበሉን ክልወጡን ኣብ ቃሉ ኣሚኖም ሰዓብቱ ኮይኖም ክነብሩ እምነት ብቓልን ሕይወትን ምምስካር ዝብል መንፈሳዊ መርሕ ገይሩ ዝንቀሳቐሰሉ ፍሊዩ ዓመት ምዃኑ ሓቢሮም፣ ዝኾነ ይኹን ቅልውላው ብምትሕብባርን ምድግጋፍን ክሥገርን ክውገድን ኣብ ዝብል ዕላማ እውን ጎስጓስ የካይድ ከምዘሎ ገሊጾም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.