2011-02-05 14:31:46

ናይ ካቶሊክን ኣንግሊካዊት ኣቢያተ ክርስትያን ናይ ሓባር ዘተ


ኣብ ኢጣሊያ ፒዮሞንተ ናይ ቦዘ ገዳም ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዓለም ሓቆፍ ናይ ካቶሊክን ኣንግሊካውያንን ናይ ሓባር ድርገት ሳልሳይ ናይ ሓባር ዘተ መደብ ካብ ዕለት 17 ግንቦት ክሳብ ዕለት 27 ግንቦት 2011 ዓ.ም. ከካይድ ምዃኑ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ውህደት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘውጽኦ መግለጺ የመልክት።

እቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ካቶሊክን ኣንግሊካውያንን ናይ ሓባር ድርገት RealAudioMP3 ብወገን ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ብፁዕ ኣቡነ በርናርድ ሎንግለይ፣ ብወገን ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ኒውዚላንድ ናይ ኣግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ጳጳስ ዳቪድ ሞክሶን ብሓባራዊ ሊቀ መንበርነት ዝምራሕ ዘተ ክኸውን እንከሎ፣ እዚ ዓለም ሓቆፍ ናይ ክልትኤን ኣቢያተ ክርስያን ናይ ሓባር ድረገት እዚ ሳልሳይ ናይ ሓባር መደብ ዘተ ንኸካይድ ኣብ 2009 ዓ.ም. ወርሒ ሕዳር ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16ን ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳስ ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት መንፈሳዊ ላዕለዋይ መራሒ ሮዋን ዊሊያምስ ኣብ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ርክብ ብዘቕረብዎ ናይ ሓባር ውሳኔ መሠረት ንኽካይድ ቅድም ክብል ዝተወሰነ ከምዝኾነ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

እዚ መደብ ሳልሳይ ናይ ሓባር ዘተ፣ ኣብ ሥነ ቤተ ክርስትያን ዘማእከለ ኮይኑ ቤተ ክርስትያን ከምውህደትን፣ ኣብ ከባብን ኵላውነትን መዳይ ኣብ ዝብልን ከምኡ ድማ ቤተ ክርስትያን ብኸባብን ኵላውነት ደረጃን ከመይ ገይራ ብምልላይ ኣብቲ ቅኑዕን ትኽክለይና ትምህርቲ ሥነ ምግባር ክትበጽሕ እትኽእል ኣብ ዝብሉ ርእሰ ጉዳያት ዝመያየጥ ምዃኑ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ውህደት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምክሪ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.