2011-02-03 15:24:24

ቻይና፦ በዓለ ሓድሽ ዓመት


ኣብ ቻይና በቲ ፍሉይ ባህላዊ ባሕረ ሓሳብ መሠረት ሎሚ ሓድሽ ዓመት ከምዘበዓለ እንክንገር በዚ ሓድሽ ዓመት ምኽንያት ኣብ ቻይና ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መንፈሳዊ መርሕቲ ናይ ሓባር RealAudioMP3 ርሑስ ሓድሽ ዓመት መግለጺ መልእክቲ ከምዝተሓላለፉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግልጎት ሓቢሩ።

እዚ ኣብ ሆንግ ኮንግ ናይ ታኦይስቲ ኃይማኖት ማኅበር ሊቀ መንበር ቶንግ ዋይ ኪን፣ ኣብ ሆንግ ኮንግ ናይ ቡድሃ ሃይማኖት ማኅበር ሊቀ መንበር ክቡር ክዎክ ክዎንግን፣ ኣብ ሆንግ ኮንግ እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጆን ቶንግ ሆን ኣብ ሆንግ ኮንግ ናይ ኮፉቺያን ማእከል ሊቀ መንበር ቶንግ ዩን ካይ ኣብ ሆንግ ኮንግ ናይ ምስልምና ሃይማኖት ናይ ባህሊ ተቛም ሊቀ መንበር ኣዩብ ቱኤት ቸ ዪን ናይ ሆንግ ኮንግ ኣቢያተ ክርስትያን ናይ ሕውነት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበርን ናይ ሆንግ ኮንግ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስትያን ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ኒኮላስ ታይ ሆ ፋይ ብሓባር ፊርማ ዘንበርሉ ናይ ርሑስ ሓድሽ ዓመት መግለጺ መልእኽቲ ከምዝኾነ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።

ኣብቲ ናይ ሆንግ ኮንግ ናይ ኩለን ሃይማኖታት መራሕቲ ናይ ርሑስ ሓድሽ ዓመት መግለጺ፣ ኣቲ ኣብ ዓለም ዝተኸስተ ቅልውላው ቁጠባ ኣብ መንጎ ድኻን ሃብታም ዘሎ ፍልልይ ኣዚዩ ከምዘግደዶን ብዙሓት ብስእነት ሥርሕ ክጥቕዑ ከምዝገበርን ተመልኪቱ ከምዘሎን፣ ኵለን ሃይማኖታት ሃይማኖት ኵሉ ናይ ሕይወት ትርጉም ከለልይ ከምዝድግፋን ናይ ሰላም መጋበርያ ከምዝኾና ዝገልጽ ሓሳብ ተነቢርሉ ከዘሎ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.