2011-02-03 15:34:56

ሶማሊያ፣ ኣደዳ ተፈንጃሪ ቦምብታት


ኣብ ሶማሊያ ኣብ ከባቢ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊ ላንድ ብዝተቐብሩ ተፈንጃሪ ቦምብታት ናይ ሞት ሓደጋ ዘጓንፎም ብዝሒ ሕፃናት ክብ እናበለ ይኸይድ ከምዘሎ፣ ኣብ ሶማሊ ላንድ ዝተቐብረ RealAudioMP3 ተፈንጃሪ ቦምብታት ምፍሻል ዘካይድ ማኅበር ኣመሓዳሪ ኣሕመድ ዓሊ ማኣሕ ከምዘገለጹ ፍደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፉ 3 ዓመታት ውሽጢ 93 ሕፃናት ዓደዳ ናይ ዝተቕብሩ ተፈንጃሪ ቦምብታት ከምዝኾኑን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ታሕሳስ ክልተ ሕፃናት ከቢድ መቑሰልቲ ከምዝወረዶምን፣ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2011 ዓ.ም. 3 ሕፃናት ናይ ሞት ሓደጋ ከጓንፎም እንከሎ ካልኦት 5 ድማ ሓደጋ ኣካለ ስንከላ ከምዘጋጠሞም ማኣሓ ከምዘመልከቱ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት እንክሕብር፣ ዕለት 27 ጥሪ 2011 ዓ.ም. ኣብ ሺደሓን ሃርገይሳ ጆድቡር ከባቢ ሓደ ብጠንቂ ሓደጋ ምፍንጃር ዝተቐብረ ቦምቢ ናይ ሞት ሓደጋ ከጋጥሞ እንከሉ እቶም ክልተ ሕፃናት ሓደጋ ኣካለ ስንከላ ከምዘጓነፎም ኣቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።

ኣብ ሶማሊያ ኣብ 1964 ቀጺሉ ካብ 1977 ክሳብ 1978 ዓ.ም. ድሓር ድማ ካብ 1981 ክሳብ 1991 ዓ.ም. ኣብ ዝተኸስቱ ዝተፈላለዩ ሰለስተ ውግኣት ተፈንጃሪ ቦምቢ ከምእተቐረን ክንገር እንከሎ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም መደብ ልምዓት ዝሓሊ ማኅበር ካብ 1988 ዓ.ም. ክሳብ 1991 ዓ.ም. ኣብ ሶማሊያ ካብ 400 ሺሕ ክሳብ 800 ሺሕ ዝግመት ተፈንጃሪ ቦምቢ ተቐቢሩ ከምዘሎ እንከመልክት፣ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለያ 10 ሃገራት ዝምረት 24 ዓይነት ነታጒ ክልለ ከምእተኻኣለን የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.