2011-02-03 15:21:14

መዓልቲ ውፉይ (መናንያን) ሕይወት


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ኣብ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ካብ ኢጣሊያን ወጻእን ዝመጹ ካብ 5 ሺሕ ንላዕሊ ዝግመቱ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተረኸብሉ እቲ ልሙድ ረቡዓዊ ትምህረተ ክርስቶስ ኣስተምህሮ ኣቕሪቦም እንከብቅዑ፣ ናይ ላቲን ሥርዓት ኣምልኮ ግፃዌ እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኢየሩሳሌም ቤተ መቐደስ ዝቐረበሉ ዕለት ከምዘኽበረትን፣ ቤተ ክርስትያን ምስ’ዚ RealAudioMP3 በዓል’ዚ ኣተሓሒዛ መዓልቲ ውፉይ (መናንያን) ሕይወት ከምእተብዕል እውን ዘኪሮም፣ ነቶም ብድኽነትን ተኣዝዞን ንጽሕናን ንኽነብሩ ዝተጸውዑን፣ ነቲ ብእግዚኣብሔር ዝቐርበሎም ጸዋዕታ ተቐቢሎም፣ እወታዊ መልሲ ንዝህቡ ለጋሳት ኢዮም ቢሎም፣ ኣብ ማኅበራት መናንያን ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ማኅበራት ተጸንቢሮም ንእግዚኣብሔርን ቤተ ክርስትያንን ሕዝበ እግዚኣብሔርን ነኸገልግሉ ኵሉ ሓዲጎም ንኽርስቶስ ዝስዕቡ ደቂ ቤተ ክርስትያን ክምስገኑ ይግባእ፣ ጸዋዕታኦም ትብዓት ዝሓትት ብምዃኑ እወታዊ መልሲ ብምሃቦም ከነመስግኖም ይግባእ ኢሎም።

በታ ዕለት ምኽንያት ትማሊ ድሕሪ ቐትሪ ብናይ ኢጣሊያ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ሓሙሽተን ፈረቓን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ናይ መናንያን ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ማኅበራት ኣባላት ካህናትን ደናግልን ኣሕዋትን ብሓባር ካልኣይ ጸሎተ ሠርክ ከምዘዕረጉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

በዛ ዕለት ምኽንያት ናይ መናንያን ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ማኅበራት ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ዋና ጸሓፊት እናቴ ኤንሪካ ሮሳና ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርኦ ቃለ ምልልስ፣ ናይ መናንያን ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ማኅበራት ኣባላት ሕይወት ደቀ መዝሙር ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኮይኑ ዝነበር ከምዝኾነ ገሊጸን፣ ኣብ ናይ ወንጌል ልዑል ኣድላይነት ዝምሥረትን ሕይወት ሓዲስ ኪዳን ዘቐድምን ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ወንጌል ልዑል ኣድላይነትን ሓጎስን ተስፋታትን ብሓፈሻኡ ናይ ክርስትያናዊ ተስፋ ብርትዓዊ ኣገባብ ዝገልጽ ኢዩ ኢለን።

ር.ሊ.ጳ. ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ድንግልንና ድኽነትን ተኣዝዞን ንናይ ዘመንና መንፈሳዊ ፍወሳን ነቢያዊ ብድሆን ኢዩ እንክብሉ ከምዝገለጽዎ እናቴ ሮሳና ዘኪረን፣ ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ጸዋዕታ ሕይወት መናንያንን ሓዋርያዊ ኣገልግሎትን ዝደኸመ እንክመስል ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ድማ ክበዝሕ ትርእይ፣ ብሓፈሻኡ ናይ መናንያን ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ማኅበራት ኣብቲ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበልኦ መንፈሳዊ መሪሕ ጸኒዔን እዋናውነት ምልባስ የድሊ፣ ዝኾነ ይዅን ጸዋዕታ ጸጋ እግዚኣብሔር ኢዩ። ስለዚህ ዝኾነ ይዅን ምእመን ተጎቲቱ ዘይኮነስ ጸዋዕታዉ ከለልይ ዘኽእሎ መደብ ሕንጸት ምቕራብ የድሊ። እዚ ድማ ናይ ኵለን ሰበኻታትን ቁምስናታትን መርሃ ግብሪ ክኸውን ኣለዎ። ካህናትን ደናግልን ኣባላት ናይ ሓዋርያው ኣገልግሎት ማኅበራት ዘቕርብዎ ናይ ቃልን ሕይወትን ምስክርነት ኣብነት ኢዩ። ስለዚህ ኣብዚ ዓይነት ኣገልግሎት ዝተጸውዑ ብኃይሎም ዘይኮነስ ብኃይሊ እግዚኣብሔርን ኣብዚ ድማ ድላዮም ኣንቢሮም ኣብነት ኮይኖም ክርከቡ ይግባእ ኢለን።

ናይ መናንያን ሕይወትን ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ማኅበራት ኣባል ንምዃን ዝግበር ምርጫን ኣብዚ ሕይወት መላእ ሕይወትካ ምንባር ግዚኡ ዝሓለፈሉ ምርጫ ኣይኮነን፣ ምኽንያቱ ኣግዚኣብሔር ዝነበረን ዘሎን ዝኅልውን ኢዩ። ስለዚህ እቲ ናይ ሕይወት ምልኣት ትርጉም ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ እንተዘይኮይኑ ኣብ ሕይወትና ሓጎስ ዝህበና ካልእ ማንም የለን። ንክርስቶስ ኣብ ምስዓብ ዝንበር ሕይወት ዓቐበትን ቍልቍለትን ዝመልኦ ሕይወት ኢዩ፣ እንተኾነ ግን ክርስትያናዊ ሕይወትካ ብእተቕበሎ ጸጋ ጸዋዕታ ክትነብሮን በቢ ዕለት ከተበሥሮን መታን ሓንሳብ ዓቲረዮ ኢየ ቢልካ ዝነበር ጸዋዕታ ዘይኮነስ በቢ ዕለቱ እናኸሰብካዮን ኣናተጎናጸፍካዮን ክትስጉም ኢዩ ዘለካ እንብላ ዝሃብኦ ቃለ ምልልስ ደምደማ።








All the contents on this site are copyrighted ©.