2011-02-01 14:12:05

ኒካራጉዋ፣ ምርጫ ርእሰ ብሔር


ናይ ኒካራጉዋ ቅዋም ሃገር ከምዘመልክቶ፣ ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ኮይኖም ዝተመርጹ ዓመታት ናይ ምዝነት ኣገልግሎቶም ዘጠናቐቑ ዜጋ ዳግም ርእሰ ብሔር ንምዃን ኣብ ዝካየድ ምርጫ ሕጹይ ኮይኖም ክቐርቡ ኣይፍቐድን ዝብል ሓሳብ ዘስፈረ ኣዛዚ ዓነቀጽ ከምዘሎ ናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብምጥቃስ፣ እቶም ርእሰ ብሔር ኮይኖም RealAudioMP3 ዘገልግሉ ዘለዉን ናይ ተልእኾ ዘመኖም ዘብቕዕ ዘሎ ርእሰ ብሔር ዳኒኤል ኦርተጋ ዳግም ሕጹይ ተመራጺ ኮይኖም ክቐርቡ ኣኽባሪ ሕገ መግንሥቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዘቕረቦ ውሳኔ ንሃገራዊ ቅዋም ዝቓወም ኢዩ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ናይ ከተማ ማናጉዋ ተሓባሪ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሲልቪዮ ኾሰ ባኤዝ ኦርተጋ ምስ ቅዋም ሃገር ዘይሰምማዕ ውሳኔ ምጽዳቕ ፖሊቲካውን ማኅበራውን ሽግርን ውጥረትን ከስዕብ ከምዝኽእል ፍሉጥ ኢዩ። ስለዚህ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኒካራጉዋ ናይ ዝኾነ ይኹን ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ደጋፊት ዘይኮነት፣ ቅዋም ሃገር ምእንቲ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ክኸበር ከምዘልዎ ኢያ ተተሓሳስብ። ቤተ ክርስትያን ከም ናይ ፖለቲካ ጉጅለ ኮይና እትጣበቐሉ ጉዳይ እውን ኣይኮነን፣ ናይ ሕዝቢ ኅሊና ተነቓቕሕ ሕዝቢ ሰላማዊ መጋበርያታት ተጠቂሙ ቅዋም ሃገር ክኽበር ጻውዒት ምቕራብ ናቱ ተራ ከምዝኾነ ኢያ ተመልክት ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት እንክሕብር፣ ናይ ግራናዳ ልሒቅ ጳጳስ፣ ብፁዕ ኣቡነ በርናርዶ ሆምባኽ እቲ ዘሥግእ ርእሰ ብሔር ዳኒኤል ኦርቴጋ ዳግም ንምርጫ ምቕራብ ዘይኮነስ እቲ ዓቢ ሥግኣ ዘሕድር እናተስፋሕፍሔን ቅቡል ኣናኾነ ዝኸይድ ዘሎ ሕገ መንግሥት ዘይምኽባር ጠባይ ኢዩ ከምዝበሉ እንክንገር፣ ናይታ ሃገር ነቲ ኣብ መርሕነት ዘሎ ናይ ብዙሃን ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ዝቃወም ኣብ 2011 ዓ.ም. ሕዳር ንዝካየድ ናይ ርእሰ ብሔር ምርጫ ዓለም ሓቆፍ ጉጅለ ተዓዘብቲ ብቐረባ ኮይኖም ክከታተልዎ ድሮ ጻውዒት የቕርብ ከምዘሎ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.