2011-02-01 14:10:37

ኅብረት ኤውሮጳ ብዛዕባ ዝስደዱ ማኅበረ ክርስትያን


ትማሊ ቤት ምኽሪ ሚኒስትር ኅብረት ኤውሮጳ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለም እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ጸረ ክርስትያን ዓመጽን፣ እዋናዊ ኩነት ግብጽን ሱዳንን ዝኣመሰሉ ኣርእስተ ጉዳያት ኣማእኪሉ ምይይጥ ከምዘካየደ እንክንገር፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ማኅበረ ክርስትያን ዝፍጸም ዓመጽ ኣደገፉ እቲ ናይ ኅብረት ኤውሮጳ ከውጽኦ ዝበሃል ዘሎ ናይ ሓባር RealAudioMP3 ናይ ፍጻሜ ሰነድ ዓቢ ትጽቢት ይግበረሉ ከምዘሎ ይንገር።

ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ሕዝባዊ ባይቶ ኅብረት ኤውሮጳ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓለም እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ጸረ ክርስትያን ዓመጽ ኣማእኪሉ ኣብ ዘካይዶ ኣኼባ ብዛዕባ ደህንነትን ጸጥታ ማኅበረ ክርስትያንን ናይ ሃይማኖት ነጻነትን ርእሰ ጉዳይ ኣደጊፉ ናይ ውሳኔ ሰነድ ከምዘጽደቐ ክንገር እንከሎ፣ እዚ ናይ ኅብረት ኤውሮጳ ሕዝባዊ ባይቶ ዘውጽኦ ናይ ውሳኔ ሰነድ መሠረት፣ ትማሊ ናይቲ ኅብረት ቤት ምኽሪ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትራት ምይይጥ ከምዘካየደሉን፣ እቲ ጸረ ክርስትያን ዓመጽ ዝብል ኣገላልጻ ኣብ ልዕሊ ኣማንያን ዝፍጸም ዓመጽ ብዝብል ሥም ከምዝተከኦ ክፍለጥ እንከሎ፣ እቲ ክርስትያን ዝብል ስም ኣማንያን ብዝብል ጠቕላሊ ብናይ ሓባራዊ ስም ዝተክአ ውሳኔ ኣመልኪቶም ማሪዮ ማውሮ ኣባል ሕዝባዊ ባይቶ ኅብርት ኤውሮጳ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ ምልልስ፣ እዚ ዓይነት ኣገላልጻ ዘይጥንቁቕን ብፍላይ ድማ ብትኽክል እቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ንስደትን መከራን ኣድልዎን ተቓሊዖም ንዝርከቡ ማኅበረ ክርስትያን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ሓለዋ ንምርግጋጽ ጭቡጥ መፍትሒ ንኸይርክብ ዝድርኽ ኢዩ። ስለዚህ እዚ ናይ ኅብረት ኤውሮጳ ናይ ውጻኢ ጉዳይ ሚኒስትራት ቤት ምኽርን ናይ ኅብረት ኤውሮጳ ናይ ወጻእን ደሕንነትን ጉዳይ ሓላፊት ካተሪን አሽቶን ኸቕርብዎ ዝኾነ ናይ ሓባር ውሳኔ ካብ ሓቅነት ኩነት ማኅበረሰብ ዝረሓቐን፣ ነቲ ሽግር ብትኽኽል ዝምልከት ኣይኮነን። ሕዝባዊ ባይቶ ኅብረት ኤውሮጳ ዘጽደቖ ውሳኔ ንጹር ክነሱ፣ ብቤት ምኽሪ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትራት ዝቐረበ ሓሳብ ግን ዝተደናገረ ኢዩ ዝመስል። ምኽንያቱ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ዝፍጸም ዓመጽ ርኡይ ሕቶ፣ መለለዪ ወይ ድማ መንነት ዝምልከት ዘይኮነስ ናይ ኅልውና ሕቶ ኢዩ። ናይ ኅልውና ሕቶ ናይ ሃይማንቶ ናጻነት ዘጠቓልል ኢዩ። እቲ ሓቂ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ነቲ ሽግር ሓፈሻዊ ኣገላልጻ ተጠቂምክካ ብድብድቡ ክትምልከቶን በዚ መሠረት ውሳኔ ምጽዳቕ ጌጋ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 47 ሓገራት ኤውሮጳ ዝሓቁፍ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ጉባኤ ብንጹር እቲ ኣብ ዓለም እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ጸረ ክርስትያን ዓመጽ ዝኹን ግልጽነት ዝመልኦ ውሳኔ ከምዘመሓላለፈ እንክዝከር፣ ናይ ኅብረት ኤውሮጳ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትራት እቲ ንስደትን መከራን ተቓሊዑ ዘሎ መን ምዃኑ እናተፈልጠ፣ ነቲ ኣደዳ ዓመጽ ዝኾነ ማኅበረ ክርስትያን በሸለልተይናነት ኣማንያን ብዝብል ብሓባራዊ መልክዕ ክትርእዮን ኣብዚ ተመኲይዙ ውሳኔ ክህበሉ ዓቢ ጌጋ ኢዩ።

ብዛዕባ እዚ ናይ ኅብረት ኤውሮጳ ናይ ውጻኢ ጉዳይ ሚኒስትራት ቤት ምኽሪ ውሳኔ ኣመልኪቶም ኣብ ኅብረት ኤውሮጳ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ ኣቡነ ኣልዶ ጆርዳኖ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃል ምልልስ፣ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ዝፍጸም ዓመጽን ኣድልዎን መከራን ከምኡ ድማ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ዝግሕሱ ተግባራት ግንዛቤ ምግባር እወታዊ ኢዩ። እንተ ኾነ ግን እቲ ግንዛቤ ንበይኑ እኹል ኣይኮነን። ዕለት 19 ጥሪ 2011 ዓ.ም. ናይቲ 47 ሃገራት ኤውሮጳ ዝሓቁፍ ቤት ምኽሪ ኤውሮጳ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚንስትራት ኮሚቴ ገይሩ ዘካየዶ ኣኼባ ጸረ ክርስትያን ዝብል ጸረ ኣማኒያ ዓመጽ ብዝብል ስም እውን እተለወጦ ኣብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ማኅበረ ክርስትያን ዝፍጸምን እናሰፍሔን ዝኸይድ ዘሎ ዓመጽ ዘየለ ከምስሎ ዘይከኣል ኣዩ። ስለዚ ብትኽኽል ምግላጹ ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ነቲ ኣብቲ ናይ ሓባር ውሳኔ ሰነድ ብትኽክል ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ምእመናን ዝፍጸም ዓመጽን ኣድልዎን መከራን ዝገልጽ ሓሳብ ተነቢሩሉን ዕለት 27 ጥሪ 2011 ዓ.ም. እቲ ሰነድ ብምሉእ ድምጺ ዝጸደቐን እቲ ናይ ውሳኔ ሰነድ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ዝፍጸም ዓመጽ ዝኹንን እዚ ዓይነት ዓመጽ ጠሪሹ ክውገድ ዘኽእሉ ጭቡጥ ተግባራት ዝሕብር ሰነድ ዓቢ ግምት ምሃብ የድሊ።

ኣቲ ኣኼባ ኣብ ዒራቕን ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ልዕሊ ማኅበረ ክርስትያን ዝወርድ ዘሎ ዓመጽን ኣድልዎን መከራን ብጭቡጥ ከም ኣብነት ዘቕረበ እውን ኢዩ። ነቲ ጭቡጥ ኩነት ጭቡጥ መልሲ ክትህበሉ ናይ ግድን ኢዩ። እዚ ድማ ኣብቲ ናይ ፍጻሜ ኣኼባ ዝተሳተፉ ናይ ኢራቅ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ወከልትን ኣብ ኣሌፖ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ሊቀ ጳጳሳ ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶይነ ኣውዶን፣ ኣብ ማእከላይ ምስራቕ ናይ ዝርከባ ናይ ፕሮተስታንት ኣቢያተ ክርስትያን ልኡኻትን ዝገለጽዎ ተርእዮ ከምዝኾነ ብቀረባ ዝመስከርዎ ኢዩ።

ኣብ ዓለም ንስደትን ኣድልዎን ዓመጽን ተቓሊዖም ካብ ዝርከብ ሃይማኖታት ኣዚዩ ዝተጠቕዔ ሃይማኖት ክርስትና ምዃኑ ዝተራጋገጸ ኢዩ ስለዚ ነዚ ብትኽኽል ምግላጹ የድሊ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.