2011-02-01 14:08:53

ኅብረት ኤውሮጳ ብዛዕባ ዝስደዱ ማኅበረ ክርስትያን


ትማሊ ቤት ምኽሪ ሚኒስትር ኅብረት ኤውሮጳ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለም እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ጸረ ክርስትያን ዓመጽን፣ እዋናዊ ኩነት ግብጽን ሱዳንን ዝኣመሰሉ ኣርእስተ ጉዳያት ኣማእኪሉ ምይይጥ ከምዘካየደ እንክንገር፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ማኅበረ ክርስትያን ዝፍጸም ዓመጽ ኣደገፉ እቲ ናይ ኅብረት ኤውሮጳ ከውጽኦ ዝበሃል ዘሎ ናይ ሓባር RealAudioMP3 ናይ ፍጻሜ ሰነድ ዓቢ ትጽቢት ይግበረሉ ከምዘሎ ይንገር።

ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ሕዝባዊ ባይቶ ኅብረት ኤውሮጳ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓለም እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ጸረ ክርስትያን ዓመጽ ኣማእኪሉ ኣብ ዘካይዶ ኣኼባ ብዛዕባ ደህንነትን ጸጥታ ማኅበረ ክርስትያንን ናይ ሃይማኖት ነጻነትን ርእሰ ጉዳይ ኣደጊፉ ናይ ውሳኔ ሰነድ ከምዘጽደቐ ክንገር እንከሎ፣ እዚ ናይ ኅብረት ኤውሮጳ ሕዝባዊ ባይቶ ዘውጽኦ ናይ ውሳኔ ሰነድ መሠረት፣ ትማሊ ናይቲ ኅብረት ቤት ምኽሪ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትራት ምይይጥ ከምዘካየደሉን፣ እቲ ጸረ ክርስትያን ዓመጽ ዝብል ኣገላልጻ ኣብ ልዕሊ ኣማንያን ዝፍጸም ዓመጽ ብዝብል ሥም ከምዝተከኦ ክፍለጥ እንከሎ፣ እቲ ክርስትያን ዝብል ስም ኣማንያን ብዝብል ጠቕላሊ ብናይ ሓባራዊ ስም ዝተክአ ውሳኔ ኣመልኪቶም ማሪዮ ማውሮ ኣባል ሕዝባዊ ባይቶ ኅብርት ኤውሮጳ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ ምልልስ፣ እዚ ዓይነት ኣገላልጻ ዘይጥንቁቕን ብፍላይ ድማ ብትኽክል እቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ንስደትን መከራን ኣድልዎን ተቓሊዖም ንዝርከቡ ማኅበረ ክርስትያን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ሓለዋ ንምርግጋጽ ጭቡጥ መፍትሒ ንኸይርክብ ዝድርኽ ኢዩ። ስለዚህ እዚ ናይ ኅብረት ኤውሮጳ ናይ ውጻኢ ጉዳይ ሚኒስትራት ቤት ምኽርን ናይ ኅብረት ኤውሮጳ ናይ ወጻእን ደሕንነትን ጉዳይ ሓላፊት ካተሪን አሽቶን ኸቕርብዎ ዝኾነ ናይ ሓባር ውሳኔ ካብ ሓቅነት ኩነት ማኅበረሰብ ዝረሓቐን፣ ነቲ ሽግር ብትኽኽል ዝምልከት ኣይኮነን። ሕዝባዊ ባይቶ ኅብረት ኤውሮጳ ዘጽደቖ ውሳኔ ንጹር ክነሱ፣ ብቤት ምኽሪ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትራት ዝቐረበ ሓሳብ ግን ዝተደናገረ ኢዩ ዝመስል። ምኽንያቱ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ዝፍጸም ዓመጽ ርኡይ ሕቶ፣ መለለዪ ወይ ድማ መንነት ዝምልከት ዘይኮነስ ናይ ኅልውና ሕቶ ኢዩ። ናይ ኅልውና ሕቶ ናይ ሃይማንቶ ናጻነት ዘጠቓልል ኢዩ። እቲ ሓቂ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ነቲ ሽግር ሓፈሻዊ ኣገላልጻ ተጠቂምክካ ብድብድቡ ክትምልከቶን በዚ መሠረት ውሳኔ ምጽዳቕ ጌጋ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 47 ሓገራት ኤውሮጳ ዝሓቁፍ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ጉባኤ ብንጹር እቲ ኣብ ዓለም እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ጸረ ክርስትያን ዓመጽ ዝኹን ግልጽነት ዝመልኦ ውሳኔ ከምዘመሓላለፈ እንክዝከር፣ ናይ ኅብረት ኤውሮጳ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትራት እቲ ንስደትን መከራን ተቓሊዑ ዘሎ መን ምዃኑ እናተፈልጠ፣ ነቲ ኣደዳ ዓመጽ ዝኾነ ማኅበረ ክርስትያን በሸለልተይናነት ኣማንያን ብዝብል ብሓባራዊ መልክዕ ክትርእዮን ኣብዚ ተመኲይዙ ውሳኔ ክህበሉ ዓቢ ጌጋ ኢዩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.