2011-01-29 15:04:14

ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ናይ ውህደት ቤት ምኽሪ መደብ


እቲ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ዝሓቁፍ ናይ ውኅደት ቤት ምኽሪ ኣብ ጀነቭ ኣብ ዝርከብ ዋና ሕንፃ ቤት ጽሕፈቱ ካብ ዕለት 16 ክሳብ ዕለት 22 ለካቲት 2011 ዓ.ም. ብዛዕባ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከባ ኣቢያተ ክርትያናንን ማኅበረ ክርስትያንን ኅልው ኩነታት ዘማእከል ሓፈሻዊ ጉባኤ ከካይድ ምዃኑ ኣቲ ቤት ምኽሪ ካብ ዘውጽኦ መግለጺ RealAudioMP3 ክፍለጥ እንከሎ፣ እዚ ናይ ውኅደት ቤት ምኽሪ 337 ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ዝሓቁፍ እንኸውን፣ ኣብቲ ንኽካይድ ተወሲኑ ዘሎ ኣኼባ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን መንፈሳዊ ላዕለዎት መራሕቲ ዘረባ ከስምዑ ምዃኖምን ኣብ ብራዚል ፖርቶ ኣለግረ ኣብ 2006 ዓ.ም. ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ ውሳኔ ዝሃበሉን ማኅበረ ክርስያን ዓለም ኣብ ሕንጸተ ቅኑዕን ፍትሓውን ሰላም ክዓይን ክተግህን ዘቕረቦ ጻውዒትን ነቲ ኣብ 2010 ዓ.ም. ናይ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዓመጽ ንኽውገድ ዘቕረቦ ጻውዒት መሠረት ገይሩ ኣብ ጃማይካ ካብ ዕለት 17 ክሳብ ዕለት 25 ግንቦት 2011 ዓ.ም. ኣብ ዘካይዶ ቀጻሊ ኣኼባኡ ኣብ ዓለም ቅኑዕን ፍትሓዊ ሰላም ንኽረጋገጽ ዝጽውዕ ንኸመሓላልፎ ዝኽነ መልእኽቲ ኣብዚ ናይ ጀነቭ ኣኼባኡ ክመያየጠሉን ከሰናድዎን ምዃኑ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.