2011-01-27 14:02:32

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት፣ ወንጌላዊ ልኡኽነት


ኣብ ስፐይን ናይ ጳጳሳዊ ስብከተ ወንጌል ማኅበር ሓላፍን ናይ ፓምፕሎናን ቱደላን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፍራንቺስኮ ፐረዝ እቲ ኣብ ማድሪድ ካብ ዕለት 16 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 21 ነሓሰ 2011 ዓ.ም. “ኣብኡ ተሠሪትኩም ተሓኒጽኩምን ብምስጋና መሊእኩምን ከምቲ ዝተመሃርኩምዎ ኣብ እምነት ጽንዑ” ቆላስይስ ምዕራፍ 2 ፍቕዲ 7 ተመሪሑ ን RealAudioMP3 ኽካየድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝወሰነዎ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ወንጌላዊ ልኡኽነት ባህርይ ኣለዎ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እዚ በቢ ዓመቱ ብሓልዮት እንተ ላእለ ኩሉ ቤተ ክርስትያን ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት፣ መንሰይ ወለዶ ኵላዊት ቤተ ክርስትያኑ ከፍቅርን ነሓድ ሕዱ ክደጋገፍን ብእምነቱ ክጸናናዕን ነቲ ኣብ ትሕቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርቶስ ተተሓባብርናን ሓንቲ ሥድራ ቤት እተገብረና ቤተ ክርስያን ክስዕባን ኣብ ትሕቲ ጽላላ ክሕቆፍን እተተባብዕ ዕለት ኢያ ቢሎም፣ ኩሉ ምእመን ምእንቲ መዓልቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ክጽሊ ሓደራ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.