2011-01-27 13:59:54

ቤት ምኽሪ ኅብረት ኤውሮጳ


ናይ ኤውሮጳ ናይ ደህንነትን ምትሕብባርን ጉዳይ ዝሓሊ ማኅበር ወኪል ናይ ሥነ ማኅበር ሊቅ ኢጣሊያዊ ማሲሞ ኢንትሮቪኜ ቅድሚ ትማሊ ናይ ኅብረት ኤውሮጳ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍድቓድን ፍትሕን ማእከል ዘነቓቐቐሖ፣ ኣብ ሶሪያ ናይ ከለዳውያን ሥርዓት እትኸተል ናይ ኣለፖ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ አንቶይነ አውዶን RealAudioMP3 ናይ ምስራቓዊት ቤተ ክርስትያን ኣሲሪ ሓዋርያዊ ኣመሓዳሪ ኣባ ኤማኑኤል ዩክሃናን ኣብ ዝተሳተፍሉ ቤት ምኽሪ ኅብረት ኤውሮጳ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝካየድ ዘሎ ጸረ ኣቢያተ ክርስትያንን ማኅበረ ክርስትያንን ዓመጽ እንታይ ዓይነት መልሲ ይወሃቦ? ኣብ ዝብል ሕቶ ተመርኵይዙ ኣብ ዘካይዶ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣብ ኤውሮጳ ናይ እምነት ደም ስማዕታት ዝዝከርሉ ዕለት ክውሰን ሓሳብ ከምዘቕረቡ ተገሊጹ።

ኢንትሮቪኜ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣብ ዓለም ዝረኤን እናሰፍሔን ዝኸይድ ዘሎ ጸረ ክርስያን ዓመጽ ብሓቂ ግንዛቤ ዘሎናን ብዙሓት ዝፈልጥዎ እውን ኣይመስልን ቢሎም፣ ር.ሊ.ጳ. ኣገልጋሊ እግዚኣብብሔር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 7 ግንቦት 2000 ዓ.ም. ኣብ ኮሎሰዮ ኣብ ዝመርሕዎ ጸሎተ ፍኖተ መስቀል፣ ኣብ ሸሞንተ መገዲ መስቀል ንንናይ ዘመንና ናይ እምነት ሰማዕታት ከምዝዘከሩን፣ ኣብ እዋን ሥርዓት ዴስነት፣ ናዚን ፋሽስትን ከምኡ ድማ በኽረርትን ኣሸበርትን ኣብ እስያ ብብሔራውያን ብኄርተይና ሃይማኖታትን መሠረት ግብረ ጸረ ልኡካነ ወንጌልን፣ ኣጥቃዕን ዓማጽን ዓለማውነት ኣተሓሳስባ ዝኸተል ሥርዓትን ናይ ገበን ጉጅለታትን ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ዘስዓብዎን ዝሓለፈን ዝርኤይ ዘሎ ስደትን መከራን ጠቒሶም ዕለት 7 ግንቦት ኣብ ኤውሮጳ እቶም ብክርስትና እምነቶም ናይ ደም ሰማዕትነት ዝቕበሉ ዝዝከርሉ ዕለት ኮይኑ ክሕሰብ ሓሳብ ከምዘቕረቡን እታ ዕለት ይብሉ ንናይ ሓባር ሰላማዊ ናብራን ናይ ኩሉ ኅሊናን ማኅበራዊ ኅሊና ዝነቓቓሓንላ ዕለት ከምእትኸውንን ናይ መጻኢ ወለዶ ኣብ ናይ ሓባር ሰላማዊ ናብራ ክኣምን እትድግፍ ጥራሕ ዘይኮነ ነቶም ሎሚ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ካልኦት ሃገራትን ኣብ ስቓይን መከራን ዝርከቡ ውሁዳን ማኅበረ ክርስትያን ደገፍን ጽንዓት እውን ኢያ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.