2011-01-27 14:04:33

ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ኢጣሊያ፦ ባህሊ ግብረ ገብን ሥነ ምግባርን ክሰርጽ


ኣብ ከተማ ኣንኮና ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ዘካይድ ዘሎ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቀዋሚ ቤት ምኽሪ ኣመልኪቶም ናይቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፍን ወሃቢ ቃልን ብፁዕ ኣቡነ ዶመኒኮ ፖምፕሊኒ ኣብ ኢጣሊያ ዝርኤ ዘሎ ምግባረ ብልሽውናን ግብረ ገብ ኣልቦ ሕይወትን፣ መሠረት ገይሩ እቲ ናይ ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ናይ ፖለቲካን መንግሥትን ኣብ RealAudioMP3 ናይ ማኅበራዊ ጉዳይን ኣብ ዝኾነ ይኹን ሓላፍነት ዝተመዘ ኣካል፣ ኣብ ግብረ ገብ ዝተሓንጸ ሕይወት ክህልዎን ኣብነት ኮይኑ ክርከብን ብምትሕስሳብ፣ እቲ ዝረኤ ዘሎ ቅልውላው ግብረ ገብ፣ ባህሊ ግብረ ገብን ሥነ ምግባርን ብምስፋሕ ጥራሕ ኢዩ ምውጋድ ዝከኣል፣ እዚ ድማ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብቲ ዘካይድዎ ጉባኤ ከምዘስመርሉ ብፁዕ ኣቡነ ፖምፕሊኒ ከምዘመልከቱ ተሓቢሩ።

ኣብ ዝኾነ ይዅን ናይ ኃላፍነት ደረጃ ዝተመዘ ኣካል፣ ሕገ መንግሥቲ ብዘመልክቶን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ክብርን ናይ ሕይወት ባህልን ተመሪሑ ምስቲ ዝተውሃቦ ሓላፍነት ዝሓቶ ግብረ ገብ ዝተመዓራረየ ሕይወት እናነበረ ዝተውሃቦ ኃላፍነት ነገልግሎት ሕዝብን ሃገርን ምዃኑ ተረዲኡ ክነብሮ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ከምዘተሓሰሰበ ብፁዕ ኣቡነ ፖምፕሊኒ ሓቢሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.