2011-01-27 13:58:31

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ናይ ክርስትያን ውህደት ትእዛዛዊ ግብረ ገብ ኢዩ


እቲ በቢ ዓመቱ ኣብ ወርሒ ጥሪ ንሓደ ሰሙን ናይ ክርስትያን ሓድነት ክረጋገጽ ኣሚታ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ዘበገሰቶ ኵለን ኣቢያተ ክርስትያን ናይ ሓባር ጸሎት ካብ ዕለት 18 ጥሪ ክሳብ ዕለት 25 ጥሪ 2011 ዓ.ም. ከምእተኻየደ እንክንገር፣ እዚ ኵለን ኣቢያተ ክርስትያን ምእንቲ ምርግጋጽ ሓድነት ዘዕርግኦ ናይ ሓበር ጸሎት፣ ናይ ላቲን ሥርዓተ ኣምልኾ ግፃዌ እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን፣ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ክርስቶስ ዝተቐበለሉ ዕለት ምልዋጥ ቅዱስ ጳውሎስ RealAudioMP3 ኣብ ተብዕለሉ ዕለት ዝጠቓለል ኽኸውን እንከሎ፣ ቅድሚ ትማሊ ምልዋጥ ሓዋርያዊ ቅዱስ ጳውሎስ ዓመታዊ በዓል ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ሮማ ፎሪ ለ ሙራ ኣብ ዝርከብ ባሲሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ዝዓረገቀዳማይ ጸሎተ ዘሠርክ እንክመርሑ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ ናይ ክርስትያን ሓድነት ግብረ ገባዊ ትእዛዝ ኢዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብቲ ቀዳማይ ጸሎተ ሠርክ ሥነ ሥርዓት ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን መንፈስዊ መራሕትን ናይ ክርስትያን ሓድነት ዘነቃቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮችን፣ ናይ ሮማ ሰበኻ ውሉደ ክህነት ገዳማውያንን ደናግልን ምእመናን ከምእተሳተፉ ተገሊጹ።

ለብዘበን እቲ ምእንቲ ምርግጋጽ ሓድነት ክርስትያን ዝተኻየደ ናይ ሓደ ሰሙን መደብ ጸሎት “ናይ ክርስትያን ሓድነትኅ ብኹለን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ንሓድነት ዝግበር ጉዕዞ ነቲ ክርስቶስ ዘቕርቦ ጸዋዕታ ግብረ ገባዊ ትእዛዝ መልሲ ኢዩ” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ከምእተኻየደ እንክፍለጥ፣ ቅድሚ ምጅማር ቀዳማይ ጸሎተ ዘሠርክ ናይ ክርስትያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኮች፣ ንቕዱስ ኣቦናን ንዅሎም ናይቲ ጸሎት ተሳተፍቲ ሰላምታኦም ብምቕራብ፣ ቅዱስ ጳውሎስ ክርቶስ ዝተቐበሉ ዓመታዊ በዓል እቲ ንሓደ ሰሙን ኩለን ኣቢያተ ክርስይታን ብሓባር ምእንቲ ሓድነት ክርስትያን ዝካየድ ጸሎት ዝፍጸመሉ ዕለት ምዃኑን ኩለን ኣቢያተ ክርስትያን ኣብ ክርስቶስ ምስ ክርቶስን ብኽርስቶስን ሓድነተን ከረጋግጻ ሓደራ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እንከመልክት፣ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ቀዳማይ ጸሎተ ዘሠርክ መሪሖም ኣብ ዘቕረብዎ ስብከት፣ ሓደ ማኅበርሰብ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝተዓጽፈን ዝተዓጽወን ዘይኮነስ ገና ካብ ምውላዱ ካቶሊክ ማለት ኵላውነት ባህርይ ዘለዎ ቋንቋን ባህልን ብዘየገድስ ንኹሉ ዝሓቁፍ ኢዩ። እዚ ማኅበርሰብ ኣብ መንጎ ኣባላቱ ብዝፍጸም ቃል ኪዳን ወይ ድማ ናይ ሓባር ሓሳብን መደብን መሠረት ዝቐውም ዘይኮነስ፣ ካብቲ ሞይቱን ሞት ስዒሩ ብዝተንስኤ ክርስቶስ ምስ ዝተገልጸ እግዚኣብሔር ካብ ዝቐውም ዓሚዩቕ ሓድነትን ኢዩ ኢሎም።

ቀጺሎም ቅዱስ ኣቦኣና፦ ሎሚ ካብቲ ምእንቲ ሓድነት ሰዓብቱ ክርስቶስ ካብ ዘቕረቦ ጸዋዕታን ዕላማን ኣዚይና ዝረሓቅና ኢና ንመስል፣ እቲ ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ዝሓቶን ዘቕርቦን ጻውዒት ሓድነት ማኅበረ ክርስትያን፣ ብቅርጻዊ ኣወዳድባ መሠረት ዝረጋገጽ ዘይኮነስ ከም ሓንቲ ሥድራ እግዚኣብሔር ኣብ ተኣምኖተ ሃይማኖትን ኣብ ናይ ሓባር መለኮታዊ ሥርዓት ኣምልኾን ሕውነታዊ ስምምዓትን ዝቐውም ኢዩ ቢሎም፣ ምእንቲ እዚ እታ ክርስቶስ ሃረር ዝበላን ዝጸለያን ሓድነት፣ ኣብ ተኣምኖተ ሃይማኖትን ቅዱሳት ምሥጥራትን፣ ኣገልግሎትን ከምዘላን ቅዱስ ኣቦና ገሊጾም፣ ነታ ሓድነት ንምዕታር ዝግበር ጻዕሪ ድላይ ጥራሕ ዘይኮነስ ኵሉ ክእዘዞን ክትግብሮን ከኽብሮን ዝግብኦ ክርስቶስ ዘቕርቦ ግብረ ገባዊ ግዴታን ትእዛዝን ኢዩ። ምእንቲ’ዚ እቲ ክርስቶስ ዘቕርቦ ጸዋዕታ ዘይከኣል ጌርካብ ብዘይትስፉውነት ምጥማቱን ሃረር ምባሉን ዘይረጋገጽ ሕልሚ ኢዩ ቢልካ ምድምዳሙ ኣብ ቅዱስ መንፈስ ኃይሊ እምነት ምጉዳል ማለቱ ኢዩ። ናይ ኩለን ኣቢያተ ክርስያን ግዴታ ነቲ ናይ ሓባር ቲዮሎጊያውን ሊጡርግያውን መንፈሳውን ሃብቲ መሠረት ዝገበረ ሓቀይናን ቅኑዕን ወሳንን ተባዕ ናይ ሓባር ዘተ ብምካይድን ብእውነተይና ምልዋጥን ጸሎትን ብፍላይ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ናብቲ ዝድለ ሓድነት ክብጻሕ ከምዝከኣል ዝተረጋገጸ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ መደምደምታ ስብከቶም ኣብ ዕለተ ጰራቅሊጦስ ምስ ሓዋርያት ህልውቲ ምስ ዝነበረት እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሓቢርና ነቲ ናይ ኵሉ ጸጋ ምንጪ ዝኾነ እግዚኣብሔር እቲ ኣብ በዓለ ጰራቅሊጦስ ዝነበረን ዝተራእየን ሓድነት ሎሚ እውን ክረጋገጽ ንጸሊ፣ ኩሉን ዝተፈላለየን ማኅበረ ክርስትያን ነቲ ክብጻሕ ዝድለ ምሉእ ሓድነት ንምርግጋጽ ኣብ ዘኽእል መገዲ መንፈስ ቅዱስ ይምርሓና እንክብሉ ከምዝጸለዩ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.