2011-01-25 14:36:52

ናይ ካቶሊክ ዕለታዊ ጋዜጣታት ፈደራላዊ ማኅበር


ኣብ ኢጣሊያ ናይ ዝተፈላለያ ቁምስናታትን ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ሰበኻታትን ብጠቕላላ 188 ናይ ካቶሊክ ጋዜጣታት ዝሓቁፍ ናይ ኢጣሊያ ዕለታዊ ጋዜጣታት ፈደራላዊ ማኅበር ሊቀ መንበር ንኽኾኑ ዝተመዙ ኣብ ከተማ ቸዘና ሳርሲና ሰበኻ ናይ ቸዘና ኮሪየረ ዕለታዊ ጋዜጣ ዋና አመሓዳሪ ጋዜጠይና ፍራንቸስኮ ዛኖቲ RealAudioMP3 ፣ ንፈለማ ጊዜ ነዚ ፈደራላዊ ማኅበር ንኽመርሑ ዝተመዙ ዓለማዊ ምእመን ምዃኖም ክፍለጥ እንከሎ፣ ብዛዕባ እዚ ዝተሃቦም ናይ ኣገልግሎት ሓላፍነት ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገብርዎ ቃለ ምልልስ፣ ብሓቂ ናይዚ ኣብ 1966 ዓ.ም. ዝተመሥረተ ፈደራላዊ ማኅበር ንኽመርሑ ዝተመርጹ ቀዳማይ ዓለማዊ ምእመን ምዃኖም ዘሐጉሶም እውን እንተኽነ ንናይ ካቶሊክ ዕለታዊ ጋዜጣታት ጸዋዕታን ሓላፍነትን ዝመዓራረይ ብቕዓት ክህልዎም ኵሉ ብጸሎት ክተሓባበሮም ሓደራ ቢሎም፣ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ማኅበራዊ ትምህርትን መሠረት ዝገበረ ሓሳብ ብዅለን ናይ ካቶሊክ ዕለታዊ ጋዜጣታት ክመሓላለፍ ኣለዎ፣ እዚ ድማ ካብ ቀደም ዝጸንሔ መሠረታዊ መምርሒ እውን እንተኾነ እዋናዊ መምርሒ ኢዩ።
ጋዜጣታት ዘመሓላልፍኦ ዜና፣ ብዛዕባ ሰብ ናይቲ ብኣርኣያን ኣምሳልን እግዚኣብሔር ዝተፈጥረ ሰብን ናይቲ ብድላይ ፍቓድ እግዚኣብሔር ዝተፈጥር ዓለምን ዝዛረብ ኢዩ፣ ስለዚህ ናይ ካቶሊክ ጋዜጣታት ፍጥረትን ሰብን ዘማእከለ ኮይኑ፣ ንፍጥረት ኵሉ ዘኽብርን ናይ ወዲ ሰብ ክብርን መሰልን ፍቓድን ክኽበር ዘነቓቕሕን ናይ ሰላም መጋበርያን ሓናጽን ኢዩ ቢሎም፣ ኣብ 2006 ዓ.ም. ናይዚ ማኅበር ኣባላት ኣብ ቫቲካን ሓዋርያዊ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ክለመኒና ምስ ቅዱስ ኣቦና ተራኺቦምን ቅዱስነቶም ናይ ካቶሊክ ዕለታዊ ጋዜጣታት ናይ ባህልን ዘተን መድረኻት ኢያተን ዝበልዎ ሓሳብ ፍራንቸስኮ ዛነቲ ዘኪሮም፣ ብዛዕባ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ተልእኾን ዕለታዊ ፍጻሜታትን ናይ ኣቢያተ ክርስትያን ዝምልከቱ ሓቤረታታት ዘመሓላልፍን ናይ ሃይማኖትን ነጻነት ኣብ ኵሉ ክኽበር ዘተሓሳብ ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.