2011-01-25 14:35:58

ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር መልእኽቲ


መለለዪ መንነት ክህነት ወንጌላዊ ልኡኽነት ኣብ ቤተ ክርስትያን፣ ወንጌላዊ ልኡኽነት ኣብ ምስ ቤተ ክርስትያንን ኣብ ክህነት ዘሎ ሓቀይና ውሽጣዊ ባህርይ ኢዩ ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ናብ መላእ ውሉደ ክህነት ሓዋርያዊት ዓዋዲት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፈ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ሓዋርያዊ ቅንኣትን ወንጌላዊ ልኡኽነትን ናይ ካህነት መለለዪ ከምዝኾነን፣ ካህን ትሪያ ሙነራ ማለት ሰለስተ ግቡእ ሥልጣን ወይ ድማ ሓላፍነት ከምዘለዎን እዚ ድማ መምህርን ቀዳስን ኣመሓዳርን፣ RealAudioMP3 ዝብሉ ምዃኖም ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኣብ ዘመሓላለፎ ዓዋዲ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ተመልኪቱ ኣሎ። እዚ ቅዱስ ማኅበር ኣብ 2009 ዓ.ም. ኣብ ዘካይዶ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ዘውጽኦ ናይ ፍጻሜ ሰነድን መእተዊ ሰፊሩ ዘሎ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣስተምህሮ መሠረት ዝገበረ ቅድሚ ትማሊ ዘመሓላለፎ ዓዋዲ መልእኽቲ ክህነት ኣብ ቤተ ክርስትያንን ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስትያንን ብዓይኒ ቲዮሎጊያ ዝገልጽ ከምዝኾነን ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ማውሮ ፒያቸንዛ ነቲ ሓዋርያዊ ዓዋዲ መልእኽቲ ብወግዒ እንከቕርቡ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዘመልከቱ ሎ ሶርቭቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ትማሊ ኅትመቱ ኣመልኪቱ።
እዛ ኣብ’ዚ ዓለም ዘላ ቤተ ክርስትያን ብባህርያኣ ተጓዓዚት ጋሻን ልእኽትን እያ እዚ ድማ ከምቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ወንጌላዊ ተልእኾ ናይ ቤተ ክርስትያን ሓቀይና ውሽጣዊ ባህርይ ከምዝኾነን ኅላዌ ቤተ ክርስትያን ኣብ ገዛእ ርእሳን ንገዛእ ርእሳን ዘይኮነስ መበቆል ኅላዌኣ ካብ ናይ እግዚኣብሔር ወልድን እግዚኣብሔር መንፈስ ቅዱስን ተልእኾ ዝምንጭ ከምኾነን ናይቲ እግዚኣብሔር ኣብ መንጎናን፣ ናይቲ ብቐደሙ ዝነበረን ኣምላኽ ዝኾነን ንዅሉ ዝፈጠረ ቃል ሥጋ ዝኾነ ናይቲ ምሳና ዝኾነ እግዚኣብሔር ምልክት ኮይና ናብ ዓለምን ኣብ ዓለምን እትንቀሳቐስ ኢያ ዝብል ዓሚዩቕ ሓሳብ ዝሰፈሮ ከምዝኾነ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ሓቢሩ።
ብፁዕ ካርዲናል ፒያቸንሳ፣ ነቲ ኣብ ዓለም እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ባህላውን ማኅበራውን መሠረት ዘዕንዉ ተዛማዲ ባህሊ ብቐረባ ብምጽናዕ ኣብ 2009 ዓ.ም. ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኣብ ዝካየዶ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዝተሳተፉ ኣበው ቤተ ክርስትያን ናይ ቤተ ክርስትያንን ውሉደ ክህነት ተልእኾ ክሕደስ ከምዘለዎን ኣሚኖም ካህን ኣብ ተልእኾኡ ኮነ ኣብ ዕለታዊ ሕይወቱን ክህነታዊ ኣገልግሎቱን ብዘይ ምቁራጽን ይጽናሓለይን ብሓዋርያዊ ሓቀይናነት እናነበረን ወንጌላዊ ልኡኽ ምዃኑ ተገንዚቡ፣ ደቀ መዝሙር ምዃኑን ከስተውዕልን፣ እዚ ድማ ብኵላዊነት ባህርይ ቤተ ክርስትያን ክነብሮን ሕልናዊ ግንዛቤ ክህልዎን ዘተሓሳስብ መልኽቲ ከምዝኾነ ሓቢሮም፣ በዚ መሠረት ወንጌልዊ ልኡኽነትን ኣገልግሎትን ናይ ግላዊ ሰብኣዊ ብቕዓት ብዘቑሞ መርሃ ግብሪ ሸቶኡ ዝወቅዕን ኵላዊ ዓንቀጻ ሓይማኖት ጥራሕ ዝደጋግም ዘይኮነስ ካብቲ ሓቀይና ድቀ መዝሙር ኮይን ካብ ዝንበር ክህነታዊ ሕይወት ዝብገስ ከምዝኾነ እቲ መልእኽቲ የረድእ።








All the contents on this site are copyrighted ©.