2011-01-25 14:38:00

ናይ ኤውሮጳ ጳጳሳዊ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ቤት ምኽሪ


ብናይ ላቲን ሥርዓት ናይ ኣምልኾ ግፃዌ ናይ መራኸቢ ቡዝኃን ሓልዊ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዲ ሳለስ ተኸቢሩ ከምዝወዓለ እንክፍለጥ፣ ናይ ኤውሮጳ ናይ ክርትያን መደብር ራዲዮ ቤት ምኽሪ ትማሊ በዚ በዓል ምኽንያት ዝተፈላለዩ ዓውደ መጽናዕታትን ከምዘካየደ እንክንገር፣ ኵለን ናይ ክርስትያን መደብር ራዲዮታት ትማሊ ናይ ሃይማኖት RealAudioMP3 ነጻነት ናይ ሰላም መገዲ ኢዩ ብዝብል ኣርእስቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት ሓደ ጥሪ 2011 ዓ.ም. ዘተሓላለፍዎ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰላም መልእኽቲ ዘማእከለን ብሃይማኖት ሰበብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝወርድ መጥቃዕትን ሓደጋን ጸረ ሃይማኖትን ካብኡ ብዝያዳ ድማ ጸረ እግዚኣብሔር ከምዝኾነን፣ ነቲ በርኣያን ኣምሳልን እግዚኣብሔር ዝተፈጥረ ሰብ ዘየኽብር ሃይማኖት፣ ጸረ ሃይማኖት ምዃኑን ኣብ ዝገልጽን ዝተንትን ሓሳብ ዝተማእከለ መደባት ከምዘመሓላለፋ ተሓቢሩ።

ስለዚህ ሃይማኖት መጋበርያ ሰላም እምበር ናይ ጽልእን ኣድልዎን ውግእን ውጥረትን ምኽንያት ክኸውን ከምዘይብሉን እዚ ድማ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋንን ኣብ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ሥርዓት መንግሥትን ናይ ሃይማኖት ነጻነት ክገሃስ ዘይብሉ ናይ ወዲ ሰብ ክፍሊ ውሽጣዊ ባህርይ ከምዝኾነ ኩለን ናይ ክርስትያን መደብ ራዲዮታት ኣብ ናይ ትማሊ መደባተን ብምቕላሕ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ክኽበር ጻውዒት ከምዘቕረባ ተሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.