2011-01-22 14:48:08

ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድስቲ ኣኜዘ


ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ትማሊ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድስቲ አኜዘ ኣኽቢራ ከምዝወዓለት እንክንገር፣ ከምቲ በቢ ዓመቱ በታ ናይታ ቅድስቲ ክብረ በዓል ምኽንያት ዝፍጸም ኣብ ሮማ ጎደና ኖመንታና ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስትያን ናይ እምነት ሰማዕት ሮማዊት ቅድስቲ ኣኜዘ ዝተባረኻ ክልተ ዕየት ንቕዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሓዋርያዊ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኡርባኖ ሻምናይ ከምዝቐረባ RealAudioMP3 ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ናይ እምነት ሰማዕታት ናይ ታሪኽ ማኅደር ከምዝሕብሮ ቅድስት ኣኜዘ ኣብ ሳልሳይን ወይ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ብዙሓት ክርስቶስ ብምኽሓድ ሕይወቶም ካብ ሞትን ስደትን ኣብ ዘድሕንሉ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣደባባይ እናሰበኸት ንኽርስቶስ እይክሕድን እምነተይ እውን ኣይሓድግን ቢላ ብዘርኣየቶ ናይ እምነት ትብዓት ኣብ ሮማ ብውሳኔ ደቾ ወይ ድማ ብውሳኔ ዲዮክለዚኣኖ ናይ ደም ሰማዕትነት ከምእተቐበለት ክፍለጥ እንከሎ፣ እዛ ጓል 12 ዓመት መንእሰይ ክርስቶስ ኣይክሕድን ብምባላ ልክዕ ከም ሓደ በጊዕ ብኻራ ተሓሪዳ ከምእተቐትለት ኣብ ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ሰማዕታት ታሪኽ ተጻሒፉ ከምዘሎን፣ በዚ ምኽንያት ድማ ናይዛ ቅድስቲ ቅዱስ ምስሊ ከምቲ ምእንቲ ድሕነት ሕዝቢ ኣብ መስቀል ተሰቒሎ ዝሞተ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርቶስ ዝቓይ ዘመልክት ከምዝኾነን ክፍለጥ እንከሎ፣ ናይዛ ቅድስቲ በዓል ምኽንያት በቢ ዓመቱ ዝዓርግ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዘንጸባርቖ መንፈሳውነት ድማ እግዚኣብሔር ንዕቡያትን ኃያላንን ዘይኮነ ምሕረቱ ኣብቶምም ዚፈርህዎን ትሑታትን ክብ ብምባል ዝገለጽ ከምዝኾነ ዘመልክት ኢዩ። ምእመናን እምነቶም ኣብ ኵሉ መዳይ ክምስክርዎን ክነብርዎ ድማ በዛ ቅድስቲ ኣማልድነት ከምእተጸለየ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.