2011-01-22 14:53:31

ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር፦ ናይ ሰላም ድልድል


ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝተሹሙ ሓድሽ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ሳቪዮ ሆን ታይ ፋኢ ቅድሚ ትማሊ ካብ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ዝተውሃቦም ናይ ተልእኾ ሓላፍነት ብወግዒ እንክጅምሩ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ቅድም ቀዳድም ነዚ RealAudioMP3 ናይ ኣገልግሎትን ኃላፊነትን ዝሾሙዎም ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣመስጊኖም ኣብዚ ዝተውሃቦም ሐዋርያዊ ናይ ኣገልግሎት ሓላፍነት ቅዱስ ኣቦናን ኩሎም ምእመናን ብፀሎቶም ክድግፍዎም ሓደራ ቢሎም፣ ቀጺሎም ነቶም ብሓጎስ ዝተቐበልዎም ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኢቫን ዲያስ ኣመስጊኖም፣ ኣብ መንጎ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያንን ቻይናን ዘራኽብ ድልድል ሓናጺ ኮይኖም ከገልግሉ ድላዮም ከምዝኾነን ድማ ገሊጾም።
ኣብ ሆንግ ኮንግ ዕለት 21 ጥቅምቲ 1950 ዓ.ም. ዝተወልዱ ብፁዕ ኣቡነ ሳቪያኖ ሆን ታይ ፋይ ኣብ ሆንግ ኮንግ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ናይ ነገረ መልኮት መምህር ኮይኖም ዘገልገሉን ኣብ ቻይና ዝተፈላለዩ ዓወደ መጽናዕታት ዘነቓቕሑን፣ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ናይ ትምህርተ ክርስቶስ ሰነድ ናብ ቻይና ናይ ዝተጎመት ኮሚቴ ኣባል ኮይኖም ዘገልገሉን ኣባል ማኅበር ሳሊዚያን ከምዝኾኑ ናይ ቅድስቲ ማኅበር መግለጺ ይሕብር።







All the contents on this site are copyrighted ©.