2011-01-20 13:10:38

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ስቓይ ናብ ተስፋ ብረድኤት ቅድስቲ ድንግል ማርያም


ትማሊ ዕለተ ረቡዕ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ሓዋርያዊ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ፍጻሜ ዘቕረብዎ ሰሙናዊ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ብዝተፈላለየ ሓደጋ ካብዚ ዓለም ብሞት ናይ ዝተፈለዩ ውሉዳት ማኅበር ወለዲ ተቐቢሎም መሪሕ ቃል ከምዝሃቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣቦና ንማኅበር ወለዲ ኣብ ዝስምዕዎ ዘረባ፣ ደቃትኩም ብዝተፈላለየ ሓደጋ RealAudioMP3 ካብዚ ዓለም ዝተፈለይኹም ወለዲ በቲ ዘጓነፈኩም ስቓይን ሓዘንን ተስፋ ኣይትቝረጹ፣ እንታይ ደኣ እቲ ስቓይ ከምታ ኣብ ትሕቲ መስቀል ኮይና ናይ ስቝል ወዳ ስቓይ ተኻፋሊት ኮይና ዘቓልሓቶ ተስፋ ብሓገዛ ናብ ተስፋ ቐይርዎ፣ ብሕልፊ ድማ መንሰያት ኣብ ምዝዋር ማኪና ኮነ ብሓፈሻኡ ኣብ ዕለታዊ ናብራኹም ናይ ገዛእ ርእስዅም ሕይወትን ናይ ካልኦትን ብምኽባር ጥንቁቓት ኮይንኵም ክትነብሩ ሓላፍነት ከምዘለኵም እይተዘንግዑ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።
ቅድስነቶም ቀጺሎም ነቶም ብዝተፈላለየ ሓደጋ ደቃቶም ንዝሰኣኑ ወለዲ መንፈሳዊ ድጋፍ ንዝህቡ ካህናት፣ እተቕረብዎ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ብሓቂ ዝነኣድ ኢዩ ኢሎም፣ ኣብ ዘቕርብዎ ሓዋርያዊ ኣገልግሎትን ነቶም በዞም ክህናት መንፈሳዊ ድጋፍ ዝቐርበሎም ወለድን ኣብ ጸሎቶም ኅልዋት ምዃኖም ብምርግጋጽ፣ ስቓይኩም ብደገፍ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ናብ ተስፋ ከምዝቕየር እምነቶም ከምዝኾነ ገሊጾም፣ ኣብኣ ተማሕጸኑ ከምዝበሉ መግለጺ ቅድስቲ መንበር ሓቢሩ።
ናይቲ ውሉዳት ኣብ መንግሥተ ሰማይ ዝተሰምየ ነቶም ደቆም ብዝተፈላየ ሓደጋታት ዝሰኣኑ ወለዲ ዝሓቁፍ ማኅበር ዝመሥረቱ ካህን ኣባል ማኅበር ፍራንቸስካውያን ኣባ ኣንጀሎ ደ ፓዶቫ ድሕሪ እቲ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዝተኻየደ ርክብ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣብ 2004 ዓ.ም. ሓንቲ ሥዳራ ምእንቲ ብሓደጋ ማኪና ካብዚ ዓለም ንዝተፈለዩ ክልተ ደቆም ቅዳሴ ከዕርጉ ሓቲቶምዎምን ቅዳሴ እናዕረጉ እንከለዉ፣ ብዝተፈለየ ሓደጋ ደቆም ስኢኖም ኣብ ስቓይ ንዝርከቡ ወለዲ መንፈሳዊ ድጋፍ ንምቕራብን መንሰያት ንኡስ ዕድሜኦም ብሓላፍነትን ብጥንቃቔን ክነብርዎ ንምትብባዕ ዝኣመተን ኣብዚ መዳይ ሕንጸት ንምቕራብ ዝብል ሓሳብ መጽኦም እዚ ድማ ከም ፍቓድን ድላይን እግዚኣብሔርን መንፍሳዊ እስተንፍሶ ቅዱስ መንፈስ ከምዝኾነ ኣሚኖም፣ ብፍቓድ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ዝቖመ ማኅበር ምዃኑ ሓቢሮም፣ ኣብ 20 ሃገራት ልዕሊ 20 ዝተፈላለያ ነዚ ዕላማ ዝኽተላ ማኅበራት ከምዝቖማ ድማ ኣመልኪቶም፣ ካብ እምነት ዝርከብ ምጽንናዕን ተስፋን ብምቅላሕ ጥራሕ ዘይኮነ በቲ ዝወረደ ሓዘን ዝተፈላለዩ ሰብኣውን መፍነሳውን ማኅበራውን ሽግራት ነዘጓነፎም ሥድራ ቤት ሥነ ኣዕምሮኣዊ ድጋፍ ዘቕርብን ናይ ሕይወት ባህሊ ክኽበርን ኵሉ ኣብ ምድራዊ ሕይወቱ ጥንቁቕን ሕይወቱ ብሓላፍነት ክነብራ ዘነቓቕሕ ማኅበር እውን ኢዩ ኢሎም። ስለዚህ ስቓይ ብሓይሊ እምነትን ካብዚ እምነት ብዝፍልፍል ኃይሊ ከምቲ ስቓይ ክርስቶስ ፍቕሪ ኮይኑ ዘድሓደና ናብ ፍቕሪ ክልወጥ ተስፋ ዘነቓቕሕ ማኅበር እውን ምዃኑ ገሊጾም።
እዚ ማኅበር ብሓደጋን ብዝተፈላለየ ሕማም በዘጋጥም ሞት ኣብ ስቓይ ንዝርከቡ ስድራ ቤት እምነትን ተስፋን ፍቕርን ዝምስክር ማኅበር ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.