2011-01-18 14:42:33

ናይ ኣይሁድን እምነት ክርስትናን ናይ ሓባር መዓልቲ ኣስተንትኖ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ኣይሁድ ዓቢይ ሙክራብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘካየድሉ ቀዳማይ ዓመት ኣብ እተዘከረሉ ዕለት፣ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖትን እምነት ክርስትናን ናይ ሓባር መዓልቲ ኣስተንትኖ ከምእተፈጸመ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ቅዱስ ኣቦና ነዛ ዕለት እንክዝክሩ ዝሓለፈ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጎም ኣብ ዘቕረብዎ ስብከት፣ እዚ ናይ ሓባር መዓልቲ ኣስተንትኖ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ RealAudioMP3 ኣብ 1990 ዓ.ም. ዘበገሶ ልዑል መደብ ምዃኑ ከምዝዘከሩ እንክንገር፣ ነዛ ዕለት ብሓቂ ፍልይቲ ዝገብራ ድማ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ኣይሁድ ዓቢይ ምኩራብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘካየድሉ ቀዳማይ ዓመት ዝዝኸረሉ እዋን ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፣ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ናይ ሓባር ዘተ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርትያን ናይ ሓባር ናይ ውህደት ዘተ ዝሓሊ ድርገት ሊቀ መንበር ናይ ፒስቶያ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ማንስዌቶ ቢያንኪ ብምኽንያት እዛ ዕለት ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እዚ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖትን እምነት ክርስትናን ናይ ሓባር ዘተ እቲ ብእንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን በቢ ዓመቱ ምእንቲ ሓድነት ኣቢያተ ክርስትያን ዝግበር መደብ ናይ ሰሙን ጸሎት ቅድም ቢሉ ዝብዕል ብምዃኑ ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ ኢዩ። ኵላዊት ቤተ ክርስትያንን ካልኦት ኣቢያተ ክርስትያን ገዛእ ርእሰን ክፍለጣን ሓድነትን ውህደትን ከረጋግጻን ምስ ኣይሁድ ሃይማኖት ዓሚዩቕ ናይ ሓባር ዘተ ክገብራ ይግባእ ቢሎም፣ ምእንቲ’ዚ ኣዛ መዓልቲ’ዚኣ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖትን ናይ ክርስትና እምነት ናይ ሓባር ዘተ ጸጋ እግዚኣብሔር ኢያ ኢሎም።

ካብ 2005 ዓ.ም. ንነጀው እቲ ናይ ሓባር መዓልቲ ኣስተንትኖ ኣብ ናይ ሙሴ ትእዛዛት ተመሥሪቱ ይካየድ ከምዘሎን፣ ናይ ለብዘበን መደብ ናይ ሓባር ኣስተንትኖ ኣዴኻን ኣቦኻን ኣፍቅር/ኣኽብር ዝብል ኣብ ሓምሻይ ትእዛዝ ዝቖመ ኢዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ሁከት ሥድራ ቤትን ፍትሕን ፍልልይን ኣብ መንጎ ወላድን ውላድን ዘሎ ዘይምቅዳው ብሓቂ ክውገድ ናይ ሥድራ ቤት ዓሚዩቕን ሓቀይና ትርጉሙን ተልእኾኡን ምግንዛብ የድሊ። ኣዚ ግንዛቤ’ዚ ክነቓቓሕ ይግባእ። ስለዚህ ኣቦኻን ኣዴኻም ምኽባርን ምፍቓርን ትእዛዝ ጥራሕ ዘይኮነ ልቢ ወላድን ውላድን ዘለዎ ምቅርራብ ዝገለጽ ኢዩ። ወለድኻ ምፍቓር ባህርያዊ እኳ እንተኾነ ብተደጋጋሚ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ክገሃስ ይርኤ፣ ስለዚህ ኣብዚ ሓምሻይ ትእዛዝ ተመሥሪትካ እተገብሮ ኣስተንትኖ ናይ ሥድራ ቤትን ማኅበራዊ ናብራን ኣርኣይ ዝኾነ ሓቀይና ናይ ሰብኣዊ ሕይወት ክብርታት ምንቕቓሕ ማለት ኢዩ ኢሎም።

ብፍላይ ድማ እቲ ብተደጋጋሚ ዝርኤ ግብረ ጸረ ሴማዊነትን ኣድልዎን ዓመጽን ዓሌታውነትን ክውገድ ከምዘለዎ ዘተሓሳስብን ናይ ሰላም ባህሊ ክሰፍሕ ዝሕግዝ መደብ ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።

ናይ ሮማ ሙክራብ መምህር ሪካርዶ ሰኚ ብወገኖም በዛ ዕለት ምኽንያት ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣብ መንጎ ኣይሁድ ሃይምናኖትን እምነት ክርስትናን ብዙሕ ፍልልያት እኳ እንተሃለወ፣ እዚ ናይ ሓባር ርክብን እዛ መዓልቲ ናይ ሓባር ኣስተንትኖ ብሓቂ ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃይማኖታት ግዳማዊ ምቅርራብ ዘይኮነ ውሳጣዊ ምፍላጥ ክህሉ እትድግፍ ዓባይ ዕለት ኢያ ኢሎም። ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ በቢ ዓመቱ ኣብ ናይ ሮማ ምኩራብ ዝፍጸምዎ ሐዋርያዊ ምብጻሕ ነቲ ምቅርራብ ዓቢ ደገፍ ኢዩ። እዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ’ዚ ድማ ልሙድ እናኾነ በቢ ዓመቱ ዝፍጸም ኮይኑ ክትርእይ ደስ ዘብል ኢዩ። ናይ ክልትኤን ሃይማኖታት ናይ ሓባር ርክብን መዓልቲ ኣስተንትኖን ኣብ ማኅበረሰብ ምትሕብባርን ምክብባርን ክህሉ ዝገብር ኃይሊ ኢዩ ኣንክብሉ፣ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ኣይሁድ መምሃራን ጉባኤ ሊቀ መንበር መምህር ኤሊያ ሪከቲ ብወገኖም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እዚ ናይ ሓባር ርክብን ኣስተንትኖን ሕድ ሕዳዊ ዘይምርድዳእን ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዘሎ ቅድመ ፍርድታትን ተወጊዱ ብሓቂ ክልትኤን ሃይማኖታት ተላልየን ክተሓባበራን ኣብ ኅብረተሰብ ሥነ ምግባር ክሰርጽ ዝድግፍ ኢዩ። ስለዚህ ኣብ ኣሥርቱ ቃላት ተመሥሪቱ ክካይድ እንከሎ፣ እቲ ኣብ መንጎ ኣይሁድን እምነት ክርስትናን ዘሎ መሠረታዊ መበቆል ባህልን ናይ ሓባር ሥነ ምግባርን ዘነቓቕሕን እዚ ሕጊ’ዚ ብዓይኒ ዓለማዊ ክርኤ እንከሎ እውን ናይ ማኅበራውን ውልቃውን ሥነ ምግባር መሠረት ኢዩ።

በዚ ኣጋጣሚ እቶም ዕለት 1 ግንቦት ብፅዕና ዝእወጀሎም ር.ሊ.ጳ. ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ርክብን ዘተን ክህሉ ዝሃብዎ ኣስተዋጽኦ ነቲ ሎሚ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ መሠረት ኢዩ። ኣብ ሃይማኖታዊ መዳይ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ታሪኽ እውን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ዝገበሩ ኢዮም። ስለዚህ ከም ኣይሁድ ክራእዮ እንከለኹ ይብሉ፣ ብዛዕባ ጉዳይ ብፅዕና ብዙሕ እንብሎ እኳ እንተዘየሎን ንናይ ሓባር ርክብ ኣብነት ኢዮም እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.