2011-01-18 14:43:53

ብፁዕ ኣቡነ ጥዋል፦ ሰላም ኣብ ቅድስቲ መሬት


ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ዘኽብርን ካብ ዘተን ክሌኣዊ ስምምዓት ዝምንጭ ቅኑዕን ፍትሓውን ወሳኒ ሰላም ጥራሕ ኢዩ ናይ ውልቃውን ማኅበራውን ጥቅሚ ክረጋገጽ ዝገበር። ሰለዚህ ኣብ ማእከላይ ብምራቕ ሰላም ናይ ሕይወትን ናይ ኅልውና ሕቶ ኢዩ። ኣብ ቅድስቲ መሬት ሰላም ንናይ ክርትስያን ኅላዌ መሠረት ምዃኑ ኣብ ኢጣሊያ ቪቶሪዮ ቨነቶ ሓዋርያዊ RealAudioMP3 ምብጻሕ ዘካይዱ ዘለዉ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ፉኣድ ትዋል ከምዝገለጹ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ብፁዕነቶም ቅድሚ ትማሊ ኣብ ቪቶሪዮ ቨነቶ ካቴድራል መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ ኣብቲ ብእስራኤል ዝተተሓዘ ናይ ፍልስጥኤም ከባቢ ዝነብር ህዝቢ ፍልስጥኤም ዘሕልፎ ዘሎ ስቓይ ዘኪሮም፣ ብሓቂ መሠረታዊ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድ ውሳኔ ክገሃስ ኢኻ እትርኢ፣ እቲ ተነዲቑ ዘሎ 700 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ ፈላላይ መንደቕ ፍልስጥኤማውያን ዝንጽል ከምዝኾነን፣ ኣብ ቤት ማእስርቲ ተዳጉይኖም ዘለዎ ፍልስጥኤማውያን ናይ ፖለቲካ እሱራትን፣ ናይ ፍልስጥኤማውያን ኣባይቲ ምፍራስን፣ ማኅበራውን ኤኮኖሚያውን ሕይወት ዘናውጽ ተግባርን ናይ ፍልስጥኤማውያን ተመዛበልቲ ሕቶን ዝብልዎም ጉዳያት ጠቒሶም፣ እዚ ዅሉ ንግብረ ሽበራ መኽንያት እናኾነ ጽልእ እናስፍሔ ካብቲ ከባቢ ሰላም የርሕቕ ኣሎ ቢሎም፣ እዚ ዅሉ ድማ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነበር ማኅበረ ክርስትያን ኅላዌ ኣብ ስግኣት ዘእትው ኢዩ ቢሎም፣ ማኅበረ ክርስትያን ንስደት ይድርኽ ከምዘሎ እውን ሓቢሮም ቤት ክርስትያን ኣብቲ ከባቢ ሰላም ክረጋገጽ ከይሰልከየት ከምእተዓዪ ገሊጾም ፍትሓውን ቅኑዕን ወሳኒ ሰላም ክረጋገጽ ኩሉ ከይሰልከየ ክጽሊ ሓደራ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.